ፈትሹ/ድለዩ

ኣመልከትቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ

ሓታቲ ዕቝባ። ካብ ሃገሩ ወጺኡ ኣብ ካልእ ሃገር ዕቝባ ዝሓትት ሰብ። እታ ሃገር ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ (ውሕስነት)ንኽትህቦ ይሓትት ማለት እዩ።

ፓርላማ

ፓርላማ ብዜጋታት ናይ ቤልጂዩም ዝምረጽ ኣካል ኰይኑ ሕጋጋት ኣብ ምርቃቕን ምጽዳቕን ኣገዳሲ ተራ ይጻወት።

LGBTQIA+

LGBTQIA+ ንግብረ-ሰዶመኛታት ደቀ'ንስትዮ፡ ንግብረ-ሰዶመኛታት ደቂ-ተባዕትዮ፡ ንንድርብ-ጾታውያን፡ ጾታዊ መለለዪኦም ንዝቐየሩ ሰባት፡ ድርብ ጾታዊ ባህርይ ንዘንጸባርቑ፡ ንጾታ-ኣልቦን መሰልቶም ዝዀኑ ሰባትን ዝገልጽ ኣሕጽሮተ-ቃል እዩ። እታ ናይ + ምልክት ነቶም ክሳብ ሕጂ ዘይተገልጹ ጾታዊ ዝንባለታት እትውክል እያ።

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (IO/DVZ/OE)

ንምእታው ናብ ክሊ መሬት ሃገር፡ ንፍቓድ ነባርነት፡ ምጥያስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምስጓጕ ወጻእተኛታትን ብዝምልከት ሓላፍነት ዝስከም ኣገልግሎት ህዝባዊ ኣገልግሎት። ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኢኹም መመልከቲኹም እተቕርቡ።

ጥርናፈ ስድራቤት

መስርሕ ዳግመ-ምርኻብ ኣባላት ናይ ሓንቲ ብምኽንያትገለ ኵነታት ተባታቲና ዝጸንሐት ስድራቤት፡ ማለት ከም ልሙድ ብምኽንያት ስደት። ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት እንተረኺብኩም ወይ ሕጋዊ ፍቓድ ነባርነት ምስዝህልወኩም፡ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ብመሰረት ገለ ሕጋውያን ቅድመ-ኵነታት ኣብ ቤልጂዩም ከምዝጽንበሩኹም ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ብሓይሊ ምምላስ

ሓደ ወጻእተኛ ካብ ልኡላዊ መሬት ናይ'ዛ ሃገር ንኽወጽእ ንዝተዋህቦ ሕጋዊ ትእዛዝ ዕሽሽ ምስዝብል፡ ብሓይሊ ከምዝወጽእ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ። እዚ መስርሕ ምውጻእ ካብ ሃገር ንኽትግበር፡ ዝምልከቶ ወጻእተኛ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ወይ ኣብ መንበሪ ኣሃዱ ከምዝጸንሕ ክግበር ዝከኣል እዩ።

መሊቝካ ምኻድ/ጽልቋ

መሊቝካ ብምኻድ ገዛእ-ርእስኻ ምሕባእ (ንግዚኡ)። ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንዝተፈላለዩ ተግባራት ከም 'ጽልቋ' ይሓስቦም።

ምዝጉብ ደብዳቤ

ሰዳዲ/ለኣኺ ደብዳቤ ከምዝለኣኸ ካብ ቤት-ጽሕፈት ፖስታ መረጋገጺ ሰነድ ዝረኽበሉ ዓይነት ደብዳቤ። ደብዳቤ ብመልክዕ ምዝጉብ ደብዳቤ ዝለኣኽ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስዝኸውን እዩ።

ዘቤታዊ ጐነጽ

ኣብ ዘቤታዊ ወይ ስድራ-ቤታዊ ክሊ ዝፍጸም ጐነጻዊ ተግባር። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ውሽጢ ቤት ዝተፈጸመ ክኸውን ግዴታዊ ኣይኰነን።

ህዝባውያን ህንጻታት

ብናጻ ዝእተዉ መንግስታውያን ህንጻታት። ሓበሬታ ንምውሳድ ድዩስ ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት ንምርካብ ክትከድዎም ትኽእሉ።