ፈትሹ/ድለዩ
ክኢላ ሓፈሻዊ ሕክምና ዝዀነ ዶክተር (GP)
ኣብ ሆስፒታል ዘይሰርሕን ፍሉይ ሞያ ናይ ዓውዲ ሕክምና ዘይሰነቐን ዶክተር። ምስዝጽልኣኩም ወይ ዝዀነ ይኹን ምስ ሕክምና ዝተኣሳሰር ጸገም ምስዘጋርመኩም፡ እቲ መጀመርታ ክትውከስዎ ዘለኩም ሰብ ክኢላ ሓፈሻዊ ሕክምና ዝዀነ ዶክተር እዩ።
ናይ ሓሶት መርዓ
ናይ ሓሶት መርዓ ዝበሃል፡ ሓደ ሰብ መሰል ነባርነት ንኽረክብ ጥራይ ብምሕላን ዝኣትዎ እሞ ምስ መጻምድቱ ዘይነብረሉ ዓይነት መርዓ እዩ።
ተቘራጺ ዘይተነከዮ ደሞዝ/ተቘራጺ ዝተነከዮ ደሞዝ
ደሞዝ ክበሃል እንከሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ዝረኽቦ ገንዘባዊ ኣታዊ እዩ። ተቘራጺ ዘይተነከዮ ደሞዝ፡ ግብርታት ዘይጐደልዎ መጠን ደሞዝ እዩ። ተቘራጺ ዝተነከዮ ደሞዝ፡ ግብርታት ዝጐደልዎ ደሞዝ መጠን እዩ።
ጠቕማዊ ሓገዝ ናይ ሽቕለት-ኣልቦነት
ኣብ መስርሕ ምድላይ ስራሕ ንዝርከቡ ሰባት ዝወሃብ ጠቕማዊ ሓገዝ።
ጥሮታ/መልዕሎ
ብምኽንያት ምድፋእ ዕድመ ካብ ናይ ስራሕ ህይወት ንዝተፋነዉ ሰባት ዝግበር ገንዘባዊ ደገፍ። ኣብ ቤልጂዩም፡ ሰባት ጥሮታ ዝወጽኡሉ ዕድመ 65 ዓመት እዩ።
ማዕከን መድሕን ጥዕና
ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ዝህበኩም ትካል። ማዕከን መድሕን ጥዕና ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህብ፦ ክፊላዊ ወይ ምሉእ መሕወዪ ናይ ሕክምናዊ ወጻኢታት፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ክሰርሑ ንዘይክእሉ ሰባት ዝወሃቡ ጠቕማዊ ሓገዛት ወዘተ። ኣብ ቤልጂዩም፡ መድሕን ጥዕና ምእታው ግዴታዊ እዩ።
መስርሕ ሕቶ ነባርነት
ኣብ ቤልጂዩም ፍቓድ ነባርነት ንምርካብ ዝበጋገስ መስርሕ ሕቶ።
ወረቐት ምስክር ናይ ብዝሒ ኣባላት ስድራ-ቤት
ወረቐት ምስክር ናይ ብዝሒ ኣባላት ስድራ-ቤት፡ ካብ ማዕከን ህዝባዊ ምዝገባ ዝተወስደ ሰነድ እዩ። ማዕከን ህዝባዊ ምዝገባ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ትሕቲ እትውክሎ ስድራ-ቤት ዝምዝገበሉ ስርዓት እዩ።
ጠለብ ክፍሊት ገንዘብ (requisitorium)
መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም እናቐጸለ እንከሎ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይትጸንሑ እንተዄንኩም፡ ንሕክምናዊ ወጻኢታትኩም ብዝምልከት ናብ ትካል ፌዳሲል መመልከቲ ናይ ጠለብ ክፍሊት ገንዘብ (requisitorium) ከተቕርቡ ይግባእ።
ሳሙሶሻል/SamuSocial
ምስ ህጹጽ ሓገዝ ዝተኣሳሰሩ ናውቲ ዝህብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ብራስለስ ኰነ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ንዝርከቡ ቤት-ኣልቦ ንዝዀኑ ሰባት ሕክምናውን ማሕበረ-ስነ-ልቦናውን ሓገዝ ዝገብር ግብረ-ሰናያዊ ትካል ናይ ቤልጂዩም።
ሕጋዊ ኵነተ-ነባርነት ዘይብሎም ናኣሽቱ ህጻናት ዘለውወን ስኡናት ስድራ-ቤታት፡ ካብ`ቲ ኣብ`ቲ ዝነብራሉ ቦታ ዝነጥፍ ትካል CPAS/OCMW ሓገዝ ክሓታ ይኽእላ እየን።
ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወይ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ሰባት ዲኹም? ንስኻ/ኺ ብኣስራሒ ተመዝሚዝካ፡ ክትልምን ተገዲድካ፡ ከም ኣመንዝራ ሰሪሕኪ ወይ ገበን ፈጺምኪ/ካ ትፈልጥ'ዶ? እምብኣር ንስኻ/ኺ ኣብ ቤልጂዩም ኣብ ትሕቲ ውሱናት ኲነታት ሓለዋ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ከምኡ`ውን ንገለ ቅድመ-ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ትካላት-መዚ ናይ ሃገረ-ቤልጂዩም ንወጻኣተኛታት ኣብ ማእከል መቐየዲ ከእትዋኦም ይኽእላ እየን።
ኣብ ቤልጂዩም፡ እቶም ተቐማጦ በብቲ ዝነብርሉ ቦታታት ቋንቋታት ፈረንሳ፡ ሆላንድ ወይ ጀርመን ይዛረቡ። እቶም ሰለስተ ዝተፈለላአዩ ዞባታት ማሕበረሰባት ተባሂሎም ይጽውዑ።