ፈትሹ/ድለዩ

መሊስኣ መንበሪ ምርካብ

ዝምልከቶም ዕቑባት ስደተኛታት ካብ ሓንቲ ዕቝባ ሓቲቶምላ ዝጸንሑ ሃገር፡ ናብ ካልእ ኣቐዲማ ኣዕቊባ ቀዋሚ ፍቓድ ነባርነት ሂባቶም ዝጸንሐት ሃገር ዝምለሰሉ መስርሕ።

ልክዕነት ስርሑ ብሕጋዊ ኣካል ተረጋገጸ ተርጓሚ

ኣብ ቤት-ፍርዲ ወግዓዊ ሞያዊ ማሕላ ዝፈጸመ ተርጓሚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ተርጓሚ፡ ወግዓውያን ሰነዳት ተርጒሙ ናይ ገዛእ-ርእሱ ማሕተምን ክታምን ንኸንብረሎም ኰነ ንልክዕነት ናይ ስራሕ ትርጉሙ ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ንኸቐምጠሎም ስልጣን ኣለዎ።

ልክዕነቱ ብሕጋዊ ኣካል ተረጋገጸ ኣገልግሎት ትርጉም

ናብ ቤት-ፍርዲ ድዩስ ናብ ሳምዕተኛ ወይ መንግስታዊ ኣካል እተቕርብዎ ወግዓዊ ሰነድ ዝተተርጐመ ምስዝኸውን፡ ልክዕነት ትርጉሙ ብሕጋዊ ኣካል ዝተረጋገጸ ክኸውን ኣገዳስነት ክህልዎ ዝከኣል እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ግቡእ ማሕተም ዝተገብረሉ፡ ክታም ዘለዎ፡ ከምኡ'ውን ንልክዕነቱ ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ናይ'ቲ ዝተርጐሞ ኣካል ክህልዎ ይግባእ።

ፈደራላዊ መንግስቲ

ንመላእ ሃገር ብዛዕባ ዝምልከቱ ጉዳያት ውሳኔ ዘሕልፍ ማእከላይ መንግስቲ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ

ምእንቲ ገንዘባዊ ጥቕሚ ናይ ሓደ ኣካል ክትብል፡ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ንኽሰግሩ ምትሕብባር/ምሕጋዝ።

ክታበት

ሓደ ክታበት ናይ’ቲ ቫይረስ ባእታ የጠቓልል ሰባት ክንከትብ ከሎና፡ ንሕና ሓደ ባእታ ናይ ቫይረስ ናብ ኣካል ናይ ሰብ ነእትው፡ ዝበዝሕ ድማ ብመገዲ መርፍእ ምውጋእ ሓደ ባእታ ናይ’ቲ ቫይረስ ናብ ኣካልኩም ድማ ነቲ ቫይረስ ጸረነፍሳት ከምዝፈጥር ይገብሮ።

ተቘራጺ ዘይተነከዮ ደሞዝ

ካብ ደሞዝ ዝንከ ዘበለ ገንዘብ ኣብኡ እዩ ዝኽፈል

ብዘይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህብ ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ

ገንዘብ ዘይትኸፍልዎ ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ። ብመሰረት ገለ ናይ መምዘኒ ቅድመ-ኵነታት፡ ብዘይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህብ ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽረኽቡ መመልከቲ ዘቕረቡ ሰባት፡ ምስ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኦም ብዝተኣሳሰር፡ ብዘይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህብ ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ንኽምደበሎም መሰል ኣለዎም።

ስምምዕ ጀኔቫ

ሃገረ-ቤልጂዩም እትርከበን 150 ሃገራት ዝኸተማሉ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ (1951)። እዘን ሃገራት እዚኣተን ነዚ ስምምዕ እዚ ክኽትማሉ እንከለዋ፡ ኣብ ሃገራቶም ውሕስነት ስኢኖም ናብኣተን ኣትዮም ዕቝባ ንዝሓቱ ሰባት ከዕቁባ ቃል ኣትየን እየን ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ብመሰረት እዚ ስምምዕ እዚ ዕቑብ ስደተኛ ክኸውን ይኽእል። ዕቑባት ስደተኛታት ነዞም ዚስዕቡ መምዘኒታት ከማልኡ ይግባእ፦ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ሰባት፡ ኣብ ሃገሮም ንኸይነብሩ ምኽንያት ዝዀኖም ስግኣት ዘለዎም፡ ከምኡ`ውን ንገዛእ-ሃገሮም ዕቝባ ንኽሓትዋ ዘይክእሉ ወይ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ክዀኑ ይግባእ። ምኽንያት ስግኣት ናይ`ዞም ከም`ዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ ሓደ ካብ`ዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ጉዳያት ዝተኣሳሰር ክኸውን ይግባእ፦ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ሃገራዊ መንነት፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ማሕበራዊ ጕጅለ።

ድሒሩ ዝቐርብ መመልከቲ

ተኻታተልቲ መመልከቲታት ናይ ሕቶ ዕቝባ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ንኻልኣይን ሳልሳይን ግዜ ወይ ድሕሪኡ ዝቐርብ መመልከቲታት። ሕጋጋት ናይ ተኻታተልቲ መመልከቲታት ሕቶ ዕቝባ ካብ ናይ`ቲ ንመጀርምታ እዋን ዝቐርብ መመልከቲ ፍልይ ዝበሉ እዮም።