ፈትሹ/ድለዩ
ተቘራጺ እተነከዮ ደሞዝ
ናብ ሕሳብኩም ኣታዊ ዝዀነ፡ ተቘራጺ እተነከዮ መጠን ደሞዝ
ዕቑብ ስደተኛ
ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ መመልከቲ ድሕሪ ምቕራብኩም መምዘኒታት ናይ ውዕል ጀኔቫ እተማልኡ ኴንኩም ምስእትርከቡ፡ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ትረኽቡ።
ዕቑብ ስደተኛ ካብ 5 ዓመታት ንዘይበዝሕ እዋን ዘገልግል ፍቓድ ነባርነት ይወሃብ። ድሕር`ዞም 5 ዓመታት፡ ትካል CGVS/CGRA ኣብ ሞንጎ ንኵነተ-ሃለዋትኩም እንተዘይሰሪዝዎ፡ ፍቓድ ነባርነት ይወሃበኩም።
ንዋታዊ ሓገዝ
ገንዘባውያን ዘይኰኑ ነገራት ብምሃብ ዝግበር ሓገዝ፦ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ክዳን ወዘተ። እዚ እቲ ትካል ፌዳሲል ነቶም ጉዳዮም ኣብ መስርሕ መርመራ ዝርከብ ሓተትቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ዝልግሶ ዓይነት ሓገዝ እዩ።
ጥብቆ 26 (quinquies)
ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ድሕሪ ምቕራብኩም ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሃበኩም ሰነድ።
ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት
ሓበሬታ ዝልግሰልኩም ከምኡ`ውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ድዩስ ኣብ መንበሪ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ኣብ እትጸንሑሉ እዋን ዘሰንየኩም ሰራሕተኛ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ CPAS/OCMW። ንመስርሕኩም፡ ኣብ ቤልጂዩም ንዝህልወኩም ጻንሖትን ንጉዳይ ምምላስ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩምን ብዝምልከት ሕቶ ምስዝህልወኩም፡ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ
ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ ዝበሃል፡ ብዛዕባ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም ድዩስ ካልእ ሕጋዊ መስርሕ ብዝተኣሳሰር ምኽሪ ክህበኩም ዝኽእል ሞያዊ እዩ። ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ንዓኹም ወኪሉ ኣብ መጋባኣያ ክቐርብ ይኽእል እዩ።
CALL / CCE / RVV
ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት። RvV/CCE፡ ብዛዕባ ውሳኔታት ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ድዩስ CGVS/CGRA ይግባይ ክትብሉሉ እትኽእሉ ሻርነት-ኣልቦ ምምሕዳራዊ ቤት-ፍርዲ እዩ።
CPAS / OCMW
ህዝባዊ ማእከል ማሕበረ-ሰብኣዊ ድሕነት። ኣብ ገለ እዋናት፡ ትካል CPAS/OCMW ንዝተጸገሙ ሰባት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይህብ እዩ። ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ ናይ ቤልጂዩም፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝህብ ትካል CPAS/OCMW ኣለዋ።
ፌዳሲል
ፈደራላዊ ትካል ምቕባል ሓተትቲ ዕቝባ። ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ምቕባልን ምሕጋዝን ሓላፍነት ዝስከም ኣካል መንግስቲ ቤልጂዩም። እዚ ድማ ኣብ ክፉታት መቐበሊ ማእከላት ወይ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ኣባይቲ። ትካል ፌዳሲል፡ ጉዳያት ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት እውን ይከታተል።
ሕጋዊ ምርግጋጽ ሰነድ
መስርሕ ምርግጋጽ መበቆላውነት ናይ ሰነድ። ሕጋዊ ምርግጋጽ ሰነድ፡ ክታምን ማሕተምን ናይ ሓደ ወግዓዊ ሰነድ መበቆላዊ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ መስርሕ።
ሕጋዊ ምርግጋጽ ሰነድ ምስ መልክዕ ናይ ሰነድ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ትሕዝቶኡ ልክዕ ምዃኑ የረጋግጽ ማለት ግን ኣይኰነን።
ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንጉዳይኩም ናብ ትካል CGVS/CGRA የመሓላልፎ። ድሕር`ዚ፡ ትካል CGVS/CGRA ቃለ-መሕትት ንኸካይደልኩም ዕድመ ይልእከልኩም።
መሰል ነባርነት እኳ እንተዘይጸደቑልኩም፡ ብሰንኪ ፍሉያት ምኽንያታት ግን ናብ መበቆል ሃገርኩም ክትምለሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ፍቓድ ነባርነት ንኽጸድቀልኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግዝያዊ ሓልዮት ሕክምናዊ ፍቓድ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ እዩ።
ብዕቱብ ሓሚምኩም ዘለኹም፡ ሕማምኩም ድማ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክፍወስ ዘይከኣል እዩ። ኣብ ቤልጅዩም ንምጽናሕ፡ ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ሕክምናዊ ፍቓድ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግዝያዊ ሓልዮት ሕክምናዊ ፍቓድ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ እዩ።
ደለይቲ ዕቚባ እንተድኣ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ሓጊዞሞም፡ ገለ ገንዘብ ክኽፈሉ ይኽእሉ እዩ።
ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ፡እታ ነቲ ኣህጉራዊ ዕቝባ/ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ምምስራሕ/ምስላጥ ሓላፍነት እትስከም ሃገር ቤልጂዩም ምዃናን ዘይምዃናን ክፍትሽ እዩ። እዚ `ሕጊ ዱብሊን` ተባሂሉ ይጽዋዕ።
መሰነይታ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት እንተዄንኩም፡ እቲ እተቕርብዎ መመልከቲ ብመሰረት ሕጋዊ ዓንቀጻት ናይ ዝምልከታ ሃገር ኤውሮጳ (ሕጊ ዳብሊን) እዩ ዝረአ።
ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ምቕራብ ማለት፡ ኣብ መቐበሊ ቦታ ናይ ምጽናሕ ዕድል የልቦን ማለት እዩ።
ኣብ በልጁም ድማ ዑቕባ ብምሕታትኩም፡ ኣብ ናይ በልጆም ግዝኣት ክትነብሩ ኢኹም ትሓትቱ ዘለኹም፡ እዚ ድማ ምኽንያቱ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ንሂወትኩም ስግኣት ስለዘለኩም እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት እንተድኣ ረኺብኩምን ኣብ ዋሎኒያ ድዩስ ኣብ ብራስልስ ክትሰርሑ ምስ እትደልዩን፡ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐትኩ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ? ምስ ወረቐት ምስክርኩም ተመጣጣንነት ናይ ደረጃ ዘለዎ ወረቐት ምስክር፡ ካብ ፈደሬሽን ዋሎኒያ-ብራስልስ ክትሓቱ ከድልየኩም እዩ።