ፈትሹ/ድለዩ
ተቘራጺ እተነከዮ ደሞዝ
ናብ ሕሳብኩም ኣታዊ ዝዀነ፡ ተቘራጺ እተነከዮ መጠን ደሞዝ
ዕቑብ ስደተኛ
ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ መመልከቲ ድሕሪ ምቕራብኩም መምዘኒታት ናይ ውዕል ጀኔቫ እተማልኡ ኴንኩም ምስእትርከቡ፡ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ትረኽቡ።
ዕቑብ ስደተኛ ካብ 5 ዓመታት ንዘይበዝሕ እዋን ዘገልግል ፍቓድ ነባርነት ይወሃብ። ድሕር`ዞም 5 ዓመታት፡ ትካል CGVS/CGRA ኣብ ሞንጎ ንኵነተ-ሃለዋትኩም እንተዘይሰሪዝዎ፡ ፍቓድ ነባርነት ይወሃበኩም።
ንዋታዊ ሓገዝ
ገንዘባውያን ዘይኰኑ ነገራት ብምሃብ ዝግበር ሓገዝ፦ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ክዳን ወዘተ። እዚ እቲ ትካል ፌዳሲል ነቶም ጉዳዮም ኣብ መስርሕ መርመራ ዝርከብ ሓተትቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ዝልግሶ ዓይነት ሓገዝ እዩ።
ጥብቆ 26 (quinquies)
ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ድሕሪ ምቕራብኩም ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሃበኩም ሰነድ።
ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት
ሓበሬታ ዝልግሰልኩም ከምኡ`ውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ድዩስ ኣብ መንበሪ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ኣብ እትጸንሑሉ እዋን ዘሰንየኩም ሰራሕተኛ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ CPAS/OCMW። ንመስርሕኩም፡ ኣብ ቤልጂዩም ንዝህልወኩም ጻንሖትን ንጉዳይ ምምላስ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩምን ብዝምልከት ሕቶ ምስዝህልወኩም፡ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ
ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ ዝበሃል፡ ብዛዕባ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም ድዩስ ካልእ ሕጋዊ መስርሕ ብዝተኣሳሰር ምኽሪ ክህበኩም ዝኽእል ሞያዊ እዩ። ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ንዓኹም ወኪሉ ኣብ መጋባኣያ ክቐርብ ይኽእል እዩ።
CALL / CCE / RVV
ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት። RvV/CCE፡ ብዛዕባ ውሳኔታት ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ድዩስ CGVS/CGRA ይግባይ ክትብሉሉ እትኽእሉ ሻርነት-ኣልቦ ምምሕዳራዊ ቤት-ፍርዲ እዩ።
CPAS / OCMW
ህዝባዊ ማእከል ማሕበረ-ሰብኣዊ ድሕነት። ኣብ ገለ እዋናት፡ ትካል CPAS/OCMW ንዝተጸገሙ ሰባት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይህብ እዩ። ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ ናይ ቤልጂዩም፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝህብ ትካል CPAS/OCMW ኣለዋ።
ፌዳሲል
ፈደራላዊ ትካል ምቕባል ሓተትቲ ዕቝባ። ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ምቕባልን ምሕጋዝን ሓላፍነት ዝስከም ኣካል መንግስቲ ቤልጂዩም። እዚ ድማ ኣብ ክፉታት መቐበሊ ማእከላት ወይ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ኣባይቲ። ትካል ፌዳሲል፡ ጉዳያት ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት እውን ይከታተል።
ሕጋዊ ምርግጋጽ ሰነድ
መስርሕ ምርግጋጽ መበቆላውነት ናይ ሰነድ። ሕጋዊ ምርግጋጽ ሰነድ፡ ክታምን ማሕተምን ናይ ሓደ ወግዓዊ ሰነድ መበቆላዊ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ መስርሕ።
ሕጋዊ ምርግጋጽ ሰነድ ምስ መልክዕ ናይ ሰነድ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ትሕዝቶኡ ልክዕ ምዃኑ የረጋግጽ ማለት ግን ኣይኰነን።
ሓተትቲ ዕቝባ ብተሓጋግዚ ዶክተር ሓገዝ ንኽግበረሎም ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።
ሓተትቲ ዕቝባ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ክምገቡ፡ ክተሓጻጸቡ ኰነ ክድቅሱ ይኽእሉ እዮም።
መስርሕ መርመራ ናይ`ቲ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባ ክሳብ ዝዛዘም፡ ትካል ፌዳሲል መቐበሊ ቦታ ይህበኩም።
ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝመረጹ ሰባት፡ ብሓገዝ ናይ ፌዳሲል ምድላዋት ናይ ጕዕዞኦም የካይዱ።
እቲ ህሉው ኣዋጅ እዚ፡ ፌዳሲል ከመይ ገይሩ ውልቃዊ ዳታ ብዛዕባ'ቲ ፌዳሲል ሓላፍነት ዝወስደሉ መርበባት-ሓበሬታ ከምዝምስርሕ ዝገልጽ እዩ።
እቲ መጀመርታ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ምስዝንጸግ፡ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ከተቕርቡ ዝከኣል እዩ። ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ከተቕርቡ ዝግባእ፡ ሓድሽ ምኽንያት ምስዝህልወኩም ወይ እቲ መጀመርታ ዘቕረብኩሞ መመልከቲኹም ድሕሪ ምንጻጉ ሓድሽ ጭብጢ ዘለዎ ሓበሬታ ምስዝህልወኩም ጥራይ እዩ።
መሰነይታ ከም ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት መጠን፡ ከም ልሙድ፡ ኣብ ንእሽቶይ ጕጅለ ናይ ናኣሽቱ መዛኑኹም ተጠርኒፍኩም ወይ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኢኹም እትነብሩ። ምናልባሽ ግን ድሮ ኣብ ቤልጅዩም ክትነብር ምስ ዝጸንሐት ስድራ-ቤት ወይ ምስ ፈለጥትኹም ድዩስ ምስ ቤልጅዩማዊት ስድራ-ቤት ክትቅመጡ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ 'ኣብ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ምጽጋዕ' ይበሃል።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋሃብኩሞ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ኣለኩም ዶ? NARIC ፍላንደርስ፡ ኣብ ፍላንደርስ ክሰርሑ ኰነ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ወረቓቕቲ ምስክር ትምርህትታቶም ብምግምጋም ተቐባልነት ይህብ።
ንስኻ/ኺ ትሕቲ ዕድመ ዲኻ - ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽውሃበካ ኣመልኪትካ'ዶ ኣለኻ? ንናትኩም መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።