ኣብ ዶክተር ምርኣይ/ምብጻሕ

ናብ ዶክተር ክትርኣዩ ምስከድኩም፡ ንእኡ ወይ ንኣኣ ክትኣምንዎምን ብዛዕባ ዝኾነ ቃንዛ ወይ ጸገማት ክትነግርዎምን ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ዶክተር፡ ብዛዕባ'ቲ ምስከድክሞ ትነግርዎ ነገራት፡ ምስጢራዊ ገይሩ ክሕዝ ሓላፍነት ኣለዎ።

ዶክተርን ተሓካምን

ምስጢራውነት

ዶክተራት ብዛዕባ ምስከድክሞም ትነግርዎም ነገራት ምስጢራዊ ገይሮም ክሕዙ ሓላፍነት ኣለዎም። ንሳቶም ዝኾነ ሓበሬታ ከሕልፉ ኣይክእሉን እዮም፡ ዋላ'ውን ናብ መንግስቲ ወይ ናብ ኣባላት ስድራቤትኩም። እቲ ዶክተር ንሓበሬታ ብዛዕባኹም ከመሓላልፎ ትደልዩ እንተኾይንኩም ግን፡ ነቲ ዶክተር ብግልጺ ክትነግርዎ ኣለኩም።

መግለጺ ናይቲ ዶክተር

ነቲ ዶክተር ዝኾነ ነገር ክትነግርዎ ትኽእሉ ኢኹም፥ ብዛዕባ ኣብ ሰብነትኩም ዘሎ ቃንዛ ወይ ጸገማት፡ ግን ብዛዕባ ሻቕሎታትኩምን ስለምታይ ጽቡቕ ይስምዓኩም ከምዘየለን እውን። እቲ ዶክተር ክምርምረኩምን ናቱ/ናታ ትዕዝብቲ ድማ ክገልጸልኩምን እዩ። እቲ ዶክተር እቲ ጸገም እንታይ እዩ ኢሉ ከምዝሓስብን እቶም መፍትሒታት ከኣ እንታይ ምዃኖምን ብዝርዝር ክገልጸልኩም የድልዮ።

ምስ ዶክተር ብቛንቋ ክትረዳድኡ ምስዘይትኽእሉ፡ ነቲ ትካል ክትሕብርዎ ይግባእ። እቲ ዶክተር ንመግለጺኡ ዝትርጉመልኩም ሰብ ክረክብ እዩ። 

ከምኡ'ውን ንስኹም ትኣምንዎ እኹል ሰብ ንኹትርጉመልኩም ክትማልኡ'ውን ትኽእሉ ኢኹም።