ፈትሹ/ድለዩ
ሕክምናዊ ወረቐት ምስክር
ሕክምናዊ ወረቐት ምስክር ድሕሪ ምክያድ ሕክምናዊ መርመራ ብዶክተር ዝጸሓፈልኩም ሰነድ እዩ። ኣብ ገለ እዋናት ሕክምናዊ ወረቐት ምስክር ከድልየኩም ዝከኣል እዩ፤ ወይ ንሕክምናዊ ወረቐት ምስክር ከም መረጋገጺ ናይ ቃልኩም ድዩስ ናይ ገለ ሓቅታት ከተቕርብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
እወታዊ ውሳኔ
ብዛዕባ እቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ዝቐርብ መመልከቲ ዝመጸ እወታዊ መልሲ ምርካብ (ብዛዕባ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባ)። ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ረኺብኩም ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ጸዲቑልኩም ኣሎ። ፍቓድ ነባርነት ንኽወሃበኩም መሰል ኣለኩም።
ናይ ዝርርብ ተርጓሚ
ቃል ተዛራቢ ብዝግባእ ሰሚዑ ብቓል ብምትርጓም ንኻልእ ነቲ መበቆላዊ ቋንቋ ዘይሰምዕ ሰብ ዘረድእ ሞያዊ።
ሕጊ
ሕጋጋት፡ ኣካል ሓፈሻዊ ሕጊ ዝዀኑ ድንጋጌታት እዮም። ዝዀነ ይኹን ኣብ ቤልጂዩም ዝርከብ ሰብ ሕጋጋት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ። ልዕልና ሕጊ ከምዝረጋገጽ ዝገብር ኣካል ቤት-ፍርዲ እዩ።
ግዱድ መርዓ
እንተወሓደ ሓደ ካብ ተጻመድቲ ናጽነት ሃልይዎ ብምሉእ ልቡ ዘይሰማማዓሉ ዓይነት መርዓ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣካላውን ሞራላውን ጸቕጢ ዝግበረሉ ዓይነት መርዓ እዩ።
ፖለቲካዊ ስርዓት
ሓንቲ ሃገር እትመሓደረሉ ኣገባብ። ረጋጺ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ሰባት ንዘለዎም ሓሳባት ብናጻ ክገልጽዎም ኣይክእሉን እዮም። ብዛዕባ ዝደለይዎ ነገር ኣብ ጋዜጣ ክጽሕፉ ኣይክእሉን እዮም። ኣተሓሳስባኦም ኰነ ዘረባኦም ከም ናይ መራሕቲ ሃገራቶም ምስዘይከውን፡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክዳጐኑ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ክቕተሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ሰብኣውነታዊ ሕጋጋት (9bis)
እዚ ፍልይ ዝበለ መስርሕ እዩ። ፍልይ ዝበለ ፍቓድ ነባርነት ንኽወሃበኩም መሰል ዘይብልኩም ክነስኹም ኣብ ቤልጂዩም ንኽትነብሩ ገና ምኽንያት ዘለኩም ምስእትዀኑ፡ ኵነታትኩም በዚ መስርሕ እዚ ሓሊፉ ይረአ። ነዚ መስርሕ እዚ ንኸተበጋግስዎ መለለዪ መንነትኩም ዝዀኑ ሰነዳት የድልዩኹም። እዚ መስርሕ እዚ፡ ንነፍሲወከፍ ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ በዓል ጉዳይ €350 ዝመጠኑ ገንዘብ ይውድኣሉ።
ዝሓሸ ሕክምና ናይ ምርካብ መደብ (9ter)
ኣዚኹም ምስእትሓሙ እሞ እቲ ዘድልየኩም ዓይነት ሕክምና ኣብ ሃገርሙ ክርከብ ዝከኣል ምስዘይከውን፡ ዝሓሸ ሕክምና ናይ ምርካብ መደብ ዘለዎ መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዝሓሸ ሕክምና ናይ ምርካብ መደብ፡ ተሓካሚ ግዚያዊ ፍቓድ ነባርነት ናይ ቤልጂዩም ንኽረክብ መሰል ዘውህብ እዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ንኸተበጋግስዎ፡ ፍሉይ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ክህልወኩም ይድለ።
ቪዛ
ኣብ ሓንቲ ሃገር ንምእታውን ምጽናሕን ብዝምልከት ዝወሃብ ወግዓዊ ትሕዝቶ ፍቓድ። ቪዛ በታ ገያሾ ንክኸድዋ ዝደልይዋ ሃገር እዩ ዝወሃብ። ብኸም'ዚ መገዲ፡ ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቍጽጽር ክትገብር ትኽእል።
ገንዘባዊ መቕጻዕቲ
ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኣምሳያ ጥሕሰት ሕጊ ምፍጻምኩም እትኸፍልዎ ገንዘብ እዩ። ንኣብነት፦ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዝዀነ ፍጥነት ማኪና ስለዝመራሕኩም።
ሓተትቲ ዕቝባ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ቤልጂዩም መመልከቲ ዕቝባ ንምቕራብ ምስተመዝገብኩም፡ ኣብ ማእከል ምቕባል መጻእተኛታት ቦታ ክወሃበኩም ዝከኣል እዩ።
እታ ዕድሜኹም 18 ዓመት ዝመልኣላ መዓልቲ ኣብ ህይወትኩም ወሳኒት እያ። ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ከም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ኣይትቝጸሩን ስለዝዀንኩም ኣብ ልዕሊ መስርሕ ጉዳይ ነባርነትኩም ኰነ ብዛዕባ ኣብ ቤልጅዩም ተቐባልነት ምርካብኩምን ዘይምርካብኩምን ጸላዊ ረቛሒ እዩ።
ናብ ቤልጅዩም ከም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናትእንተ ኣቲኹም፡ መንግስቲ ውሑስ ሃዋህው ኣብ ዘለዎ ቦታ ከምእትጸንሑ ክገብር እዩ። ፖሊስ ወይ ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ ናብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክወስደኩም እዩ። ዋላ እውን ዕቝባንኽወሃበኩም ዘመልከትኩም ኣይትኹኑ፡ ኣብ ውሑስ መጽንሒ ቦታ ንኽትቅመጡ መሰል ኣለኩም።
ኣብ ርእሲ መስርሕ ምቕራብ ሕቶ ዕቝባ፡ መሰነታ ንዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት ዘገልግል ፍሉይ መስርሕ ፍቓድ ነባርነት እውን ኣሎ። እዚ መስርሕ እዚ ንዓኹም ዝሓይሽ ኣማራጺ እንተዀይኑ፡ ምስ ሕጋዊ/ት መጕዚትኩም ተማኸሩ።
ኣብ ቤልጂዩም ወላዲ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ዲኹም? ብዛዕባ ኵነታትኩም ፖሊስ ወይ ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ ን ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነትክሕብር እዩ። እዚ ወሃቢ ኣገልግሎት ዝዀነ ትካል እዚ፡ ንዓኹም ዝ(እት)ኸውን ሕጋዊ/ት መጕዚት ከናዲ እዩ።
ነቲ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽወሃበኩም እተቕርብዎ መመልከቲ ከተመዝግብዎ እንከለኹም ዕድሜኹም ክንደይ ምዃኑ ክትሕብሩ የድልየኩም። እንተ ደኣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ወይ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ብዛዕባ ዕድሜኹም ገለ ጥርጣረ ሃልይዎም፡ ሕክምናዊ መርመራ ናይ ዕድመንኸተካይዱ ክሓቱኹም ይኽእሉ እዮም።
ከም ዕቑባት ስደተኛታት፡ ተቐባልነት ምስረኸብኩም፡ ናትኩም መንበሪ ገዛ ንኽትረኽቡ ናይ 2 ኣዋርሕ ግዜ ኣለኩም። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ምውድኡ፡ ካብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ወይ ካብ መንበሪ ገዛ ናይ CPAS/OCMWንኽትወጹ ክትግደዱ ኢኹም።
ተሌፎን ንኽትድውሉ ኰነ ብተሌፎንኩም ኢንተርነት ንኽትጥቀሙ፡ ሲም-ካርድ ከድልየኩም እዩ። ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ናይ ቤልጅዩም ናጻ ዕድል ተጠቃምነት ናይ ዋይ-ፋይ ኣሎ።