ፈትሹ/ድለዩ

ሕክምናዊ ወረቐት ምስክር

ሕክምናዊ ወረቐት ምስክር ድሕሪ ምክያድ ሕክምናዊ መርመራ ብዶክተር ዝጸሓፈልኩም ሰነድ እዩ። ኣብ ገለ እዋናት ሕክምናዊ ወረቐት ምስክር ከድልየኩም ዝከኣል እዩ፤ ወይ ንሕክምናዊ ወረቐት ምስክር ከም መረጋገጺ ናይ ቃልኩም ድዩስ ናይ ገለ ሓቅታት ከተቕርብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

እወታዊ ውሳኔ

ብዛዕባ እቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ዝቐርብ መመልከቲ ዝመጸ እወታዊ መልሲ ምርካብ (ብዛዕባ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባ)። ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ረኺብኩም ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ጸዲቑልኩም ኣሎ። ፍቓድ ነባርነት ንኽወሃበኩም መሰል ኣለኩም።

ናይ ዝርርብ ተርጓሚ

ቃል ተዛራቢ ብዝግባእ ሰሚዑ ብቓል ብምትርጓም ንኻልእ ነቲ መበቆላዊ ቋንቋ ዘይሰምዕ ሰብ ዘረድእ ሞያዊ።

ሕጊ

ሕጋጋት፡ ኣካል ሓፈሻዊ ሕጊ ዝዀኑ ድንጋጌታት እዮም። ዝዀነ ይኹን ኣብ ቤልጂዩም ዝርከብ ሰብ ሕጋጋት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ። ልዕልና ሕጊ ከምዝረጋገጽ ዝገብር ኣካል ቤት-ፍርዲ እዩ።

ግዱድ መርዓ

እንተወሓደ ሓደ ካብ ተጻመድቲ ናጽነት ሃልይዎ ብምሉእ ልቡ ዘይሰማማዓሉ ዓይነት መርዓ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣካላውን ሞራላውን ጸቕጢ ዝግበረሉ ዓይነት መርዓ እዩ። 

ፖለቲካዊ ስርዓት

ሓንቲ ሃገር እትመሓደረሉ ኣገባብ። ረጋጺ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ሰባት ንዘለዎም ሓሳባት ብናጻ ክገልጽዎም ኣይክእሉን እዮም። ብዛዕባ ዝደለይዎ ነገር ኣብ ጋዜጣ ክጽሕፉ ኣይክእሉን እዮም። ኣተሓሳስባኦም ኰነ ዘረባኦም ከም ናይ መራሕቲ ሃገራቶም ምስዘይከውን፡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክዳጐኑ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ክቕተሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ሰብኣውነታዊ ሕጋጋት (9bis)

እዚ ፍልይ ዝበለ መስርሕ እዩ። ፍልይ ዝበለ ፍቓድ ነባርነት ንኽወሃበኩም መሰል ዘይብልኩም ክነስኹም ኣብ ቤልጂዩም ንኽትነብሩ ገና ምኽንያት ዘለኩም ምስእትዀኑ፡ ኵነታትኩም በዚ መስርሕ እዚ ሓሊፉ ይረአ። ነዚ መስርሕ እዚ ንኸተበጋግስዎ መለለዪ መንነትኩም ዝዀኑ ሰነዳት የድልዩኹም። እዚ መስርሕ እዚ፡ ንነፍሲወከፍ ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ በዓል ጉዳይ €350 ዝመጠኑ ገንዘብ ይውድኣሉ።

ዝሓሸ ሕክምና ናይ ምርካብ መደብ (9ter)

ኣዚኹም ምስእትሓሙ እሞ እቲ ዘድልየኩም ዓይነት ሕክምና ኣብ ሃገርሙ ክርከብ ዝከኣል ምስዘይከውን፡ ዝሓሸ ሕክምና ናይ ምርካብ መደብ ዘለዎ መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዝሓሸ ሕክምና ናይ ምርካብ መደብ፡ ተሓካሚ ግዚያዊ ፍቓድ ነባርነት ናይ ቤልጂዩም ንኽረክብ መሰል ዘውህብ እዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ንኸተበጋግስዎ፡ ፍሉይ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ክህልወኩም ይድለ።

ቪዛ

ኣብ ሓንቲ ሃገር ንምእታውን ምጽናሕን ብዝምልከት ዝወሃብ ወግዓዊ ትሕዝቶ ፍቓድ። ቪዛ በታ ገያሾ ንክኸድዋ ዝደልይዋ ሃገር እዩ ዝወሃብ። ብኸም'ዚ መገዲ፡ ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቍጽጽር ክትገብር ትኽእል።

ገንዘባዊ መቕጻዕቲ

ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኣምሳያ ጥሕሰት ሕጊ ምፍጻምኩም እትኸፍልዎ ገንዘብ እዩ። ንኣብነት፦ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዝዀነ ፍጥነት ማኪና ስለዝመራሕኩም።