ፈትሹ/ድለዩ

መጽለሊ

ካብ ሕማቕ ኵነታት ኣየርን ሓደጋን ከተዕቁቡሉ እትኽእሉ ግዚያዊ ቦታ።

ኤምባሲ

ኤምባሲ ንሓንቲ ሃገር ኣብ ካልእ ሃገር ዝውክላ ቤት-ጽሕፈት እዩ። ብምኽንያት ምምሕዳራዊ ጉዳያት ድዩስ ገለ መስርሓት ንምብግጋስ ናብ ኤምባሲ ክትከዱ ዝከኣል እዩ። ሓተትቲ ዕቝባን ዕቑባት ስደተኛታትን ግን ከምኡ ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም።

LAO / BJB / BAJ

ቤት-ጽሕፈት ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ

ኮማት ተዛረብቲ ቋንቋ

ቤልጂዩም ሰለስተ ወግዓውያን ቋንቋታት ኣለውዋ። ዳች፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን። ቤልጂዩም ብ 3 ኮማት ተዛረብቲ ቋንቋ ዝቘመት ሃገር እያ፦ ተዛረብቲ ቋንቋ ዳች፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ፡ከምኡ`ውን ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን።

ቅዋም

ቅዋም ሃገረ-ቤልጂዩም መሰረታውያን መምርሒታት ናይ`ዛ ሃገር ዝሓዘ ስርዓተ-ሕጊ እዩ። ንዅላቶም መሰረታውያን መሰላት ዘስፈረ እዩ።

መንነት ዘለልዩ ሰነዳት

ብዛዕባ መንነትኩም ወግዓዊ መረጋገጺ ዝህቡ ወግዓውያን ሰነዳት (ስእልኹምን ስምኩምን ዘለዎም)፤ ንኣብነት፡ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ወረቐትኩም ወይ ዓለም-ለኻዊ ፓስፖርትኹም።  

ሽጉርነት/ጽጉምነት

ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ጸገም ምህላው። ንሓደ ካብ`ዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ነገራት ክተግብሩ ምስዘይትኽእሉ፡ ትካል CPAS/OCMW ብፍርዳዊ መልክዕ ጽጉማት/ስኡናት ምዃንኩም ከጽድቐልኩም ዝከኣል እዩ፦ መጽለሊ ምርካብ፡ መግቢ ምርካብ፡ ዝባንካ ምኽዳን፡ ጽርየት ገዛእ-ርእስኻ ምክትታል ወይ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘይምዃን።

ኣስገዳድ ምውጻእ ካብ ሃገር

ሕጋዊ ፍቓድ ነባርነት ምስዘይህልወኩም፡ እታ ዘለኹማ ሃገር ብኣስገዳድ ከተውጽኣኩም ትኽእል እያ። ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ወይ ብሕጋዊ መልክዕ ክትነብሩላ ናብ እትኽእሉ ሃገር ከምእትምለሱ ክግበር እዩ።

ቃለ-መሕትት

መስርሕ ዳንነት ወይ ብውልቂ ደረጃ ዝግበር ምዝርራብ። ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበኩም መመልከቲ እንተኣቕሪብኩም፡ ቃለ-መሕትት ንኽግበረልኩም ዕድመ ክግበረልኩም እዩ፦ መጀመርታ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ቀጺሉ ድማ ምስ ትካል CGVS/CGRA። ኣብ መስርሕ ናይ`ዚ ቃለ-መሕትት እዚ፡ ብዝተኻእለኩም መጠን ብምልኣት ከምኡ`ውን ብቕንዕና ክትምልስዎም ዝግባእ ሕቶታት ክቐርቡልኩም እዮም።

ፍቓድ ነባሪነት

ሓደ ሰብ ዜጋኣ ኣብ ዘይኰነ ሃገር ንኽነብር ክህልዎ ዝግባእ ወረቐት ፍቓድ። ዝበዝሓ ሃገራት ናባታተን ኣትዮም ክጣየሱ ወይ ክሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝደልዩ ሰባት ሕጋዊ ቀይድታት ይገብራ እየን።