ፈትሹ/ድለዩ

መድሃኒታዊ ትእዛዝ ናይ ሓኪም

ተሓካሚ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ዘድልይዎ መድሃኒታት ንኽገዝእ ብሓኪም ዝወሃቦ ሰነድ።

ፍሉይ መስርሕ ነባርነት

ብዛዕባ ጉዳይ ናይ'ቶም ብዘይ መሰነይታ ዝመጹ ወጻእተኛታት ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት 'ነባሪ ፍታሕ' ንምምጻእ ዝዓለመ መስርሕ። እዚ ፍታሕ እዚ ከም'ዚ ክኸውን ይኽእል፦
• ምስ ወለዶም ዳግማይ ተራኺቦም ከምዝነብሩ ምግባር
• ናብ ናይ መበቆል ሃገሮም ወይ ፍቓድ ነባርነት ናብ ዝሃበቶም ሃገር ከምዝምለሱ ምግባር
• ኣብ ቤልጂዩም ንኽጸንሑ ፍቓድ ምሃብ

ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ/ት

ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ/ኣ ሰብ

መድሕን ጥዕና

ኣብ ቤልጂዩም፡ ሰባት መድሕን ጥዕና ናይ ምእታው ዝንባለ ኣለዎም። እዚ ድማ፡ ማዕከን መድሕን ጥዕና ንዝበዝሕ ክፋል ናይ ልዑል ሕክምናዊ ወጻኢታትኩም ይሽፍን፤ ከምኡ'ውን ብምኽንያት ሕማም ዓዲ ምስእትውዕሉ፡ ኣምሳያ ደሞዝኩም ገንዘባዊ መሕወዪ ጠቕማዊ ክፍሊት ይህበኩም ማለት እዩ።

ጠለባት ደረቕ ስእሊ (ንፓስፖርት)

እቲ ኣብ መለለዪ መንነት ዝዀነ ካርድኹም፡ ናይ ወጻእተኛ ካርድኹም ወይ ፓስፖርትኹም እንጥቀመሉ ጉርዲ ስእሊ፡ ገለ ግቡኣት መምዘኒታት ዘማልአ ክኸውን ይግባእ። እተቕርብዎ ጉርዲ ስእሊ ነዞም መምዘኒታት ዘማልእ ምስዘይከውን፡ ምምሕዳር ከተማ ምቕባልኩም ክኣቢ ግዴታ ኣለዎ።

  • ሚዛናዊ ስምዒት ብዘንጸባርቕ ናይ ገጽ መልእኽቲ ዝተሳኣልኩሞ ክኸውን ይግባእ፦ ኣፍኩም ብኽዱኑ፡ ፍሽኽ ከይበልኩም
  • ገጽኩም ፊት-ንፊት ጠሚቱ፡ መንኵብኩም ቀኒዑ፡ ናብ ካሜራ ፊት-ንፊት እናጠመትኩም እንከለኹም ዝተሳኣልኩሞ።
  • ገጽኩም ምሉእ-ብሙሉእ ቅሉዕ ክኸውን ይግባእ፦ ግንባርኩም፡ መንከስኩምን ኣእዛንኩምን ክረአ ይግባእ።
  • ኣዒንትኹም ብንጹር ክረአ ይግባእ፦ መነጽር እንተጌርኩም ድማ ከንጸባርቕ ድዩስ ደባን ዝጥርሙሱ ክኸውን፡ ከምኡ'ውን ፍረይሙ ኣዝዩ ዓቢ ወይ ናብ ጥቓ ዓይንኹም ዝቐረበ ክኸውን ኣይግባእን።

ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ

ኣብ ቤልጂዩም ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ነባርነት (ብዘይ ስሩዕ መልክዕ) ጸኒሕኩም እንተሃሊኹም፡ እቲ ብመገዲ ትካል CPAS/OCMW ዝወሃብ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ጥራይ እዩ መሰል ዘለኩም።

ህዝባዊ መጓዓዝያ

ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ተሳፋሪ ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣገባብ መጓዓዝያ። እዚ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከፊሉ ኣውቶቡሳት፡ ባቡራት ድዩስ ሓዲዳውያን ወይ ትሕተ-ባይታኣውያን ኣውቶቡሳት/ባቡራት ክጥቀም ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

ግብረ-ሰዶመኛታት

ሓደ ሰብ፡ ጾታዊ ስሕብቱ ምስኡ ተማሳሳሊ ጾታ ናብ ዘለዎ ሰብ ምስ ዝኸውን። አቂ-ተባዕትዮ ይኹኑ ደቀ'ንስትዮ ግብረ-ሰዶመኛታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም

ጾታ

ንባዮሎጂካዊ ጾታ ናይ ሰብ ይገልጽ። እዚ ነቶም ሒዝናዮም እንውለድ ኣካላውያን ጠባያት ዝምልከት እዩ። ኣወዳት፡ ኣዋልድ ወይ ክልቲኡ ጾታ ሒዝና ክንውለድ ዝከኣል እዩ። 

ሕጊ-207

ሕጊ-207 ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ዝሰፈረ ፍሉይ ሕጊ ኰይኑ፡ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ድዩስ ኣብ ናይ OCMW/CPAS ውልቃዊ መንበሪ ገዛ ንኽትዕቈቡ መሰል ከምዘለኩምን ከምዘይብልኩምን፣ መሰል ምስዝህልወኩም ድማ መሰልኩም መዓስ ተግባራዊ ከምዝኸውን ዝውስን እዩ።