ኣብ እዋን ምኽሪ እንታይ የጋጥም፧
- ወለንተኛታት ንቖልዓኹም ይዕቅንዎን ክብደቱ ይመዝንዎን።
- ሓደ ዶክተር ወይ ኣላዪ ሕሙማት ንቆልዓኹም ይምርምሮ።
- ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ድህሪ እቲ ሕርሲ፡ ኣለይቲ ሕሙማት ናይ ቆልዓኹም ናይ ምስማዕ ክእለት ጽቡቕ ምህላዉ የረጋግጹ።
- ኣብ መንጎ 12 ክሳብ 24 ኣዋርሕ፡ ዶክተራት ወይ ኣለይቲ ሕሙማት ናይ ቆልዓኹም ናይ ምርኣይ ክእለት ጽቡቕ ምህላዉ የረጋግጹ።
- ቆልዓኹም እቲ ኣድላዪ ክታበታት ክረክብ ኣዩ።
- ብዛዕባ ኣመጋግባ፡ ትምህርቲ፡ ድሕነትን ጥዕናን ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።