ናይ ተበጻሕነት መግለጺ (Accessibility statement)

Fedasil፡ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ተበጻሒ ንምግባር ቅሩብ እዩ። እዚ ድማ ብመሰረት፦
ሕጊ 19 ሓምለ 2018 ናይ ህዝባዊ ትካላት መርበብ ሓበሬታታትን ናይ ሞባይል መተግበሪታትን ተበጻሕነት ዝምልከት እዩ።

ዕላማ

እዚ መግለጺ እዚ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ይምልከት፦ www.fedasilinfo.be

ናይ ተኣዛዝነት ምስምማዕ ኩነታት

ብመሰረት ዝተኻየደ ዝተቓለለ ናይ ተበጻሕነት ኦዲት 25 መጋቢት 2025ቤት ጽሕፈት ተበጻሕነት መርበብ ሓበሬታ በልጅየም፡ እዚ መርበብ ሓበሬት ብኸፊል ይሰማማዕ ምስ ናይ WCAG 2.1 AA መምርሒታት

ተበጻሕነት ዘይብሎም ባእታታት

እቲ ኦዲት እዞም ዝስዕቡ ጉድለታት ኣለልዩ፦

  • መግለጺ ጽሑፍ ዘይብሎም ስእልታት (alt-tags ዘይብሎም)
  • እኹል ሕብራዊ ፍልልይ (color contrast) ዘይብሎም ጽሑፋት፡ ብፍላይ ኣብ ድሮፕ ዳውን ሜኑ ዘለዎ ምርጫታት
  • ንስራሕ ናይቲ ሊንክ ብንጹር ዘየመልክት ጽሑፍ ናይ ሊንክ
  • ንፍሉይ ጽሑፍ ዘገልግል ትርጉማዊ ምልክት (semantic markup) ዘይምህላዉ
  • ኣብ ዝተወሰኑ ባእታታት ናይ ኪቦርድ ትኲረት ኣይርአን
  • ትኽክለኛ ስም፡ ተራ ወይ ዋጋ (value) ዘይተዋህቦም ናይ ቅጥዒ ባእታታት
  • ንጹር መልእኽቲ ዘይመሓላልፉ መላጉምን ሊንክታትን

ኣማራጺታት

ገለ ካብቲ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብዚ ዝስዕብ እውን ይርከብ፦

ናይ ምምሕያሽ ስጒምታት

Fedasil ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት መደብ ኣውጺኡ ኣሎ፦

  • ምስግጋር ናብ BOSA ምእንጋድን ምዕባይን ናብ (hosting and upgrade to) Drupal 11
  • ምውሳኽ ናይ ቻትቦት

ኦዲትን ግምገማን

እዚ ናይ ተበጻሕነት ኦዲት በዚ ዝስዕብ ተገይሩ ቤት ጽሕፈት ተበጻሕነት መርበብ ሓበሬታ በልጅየም ብዕለት 25 መጋቢት 2025
እቲ ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ዝስዕብ ይርከብ፦ https://reports.accessibility.belgium.be/2025/fedasilinfo.be/20250325/index.html#evaluation

ኣድራሻ/ርክብ

ምስ ተበጻሕነት ዝተሓሓዝ ርእይቶ ወይ ሕቶ እንተለኩም፦

ናይ መግለጺ ዕለት

እዚ መግለጺ ዝተዳለወሉ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2025 ከምኡ'ውን ዓመታዊ ክግምገም እዩ።