ፈትሹ/ድለዩ
መቐበሊ ቦታ
ትካል ፌዳሲል፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ኣብ ከባብያዊ ትካል ምቕባል ኣጋይሽ ዝምድበልኩም መቐመጢ ቦታ። ኣብ'ቲ እትምደቡሉ መቐበሊ ነቝጣ እትድቅሱሉ፡ እትምገቡሉን ካልእ ደገፍ እትረኽቡሉን ቦታ ንኽትረኽቡ መሰልኩም ኣለኩም።
ጥርዓን
ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ኵነታት መነባብሮ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኰነ ኣብኡ ብዛዕባ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዕግበት ዘይተሰምዖ ተቐማጢ፡ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዝብየነሉ እገዳዊ ስጉምቲ ድዩስ ዝግበረሉ ሕክምናዊ ሓገዝ ምስ ዘይሰማማዕ፡ ይግባይ ክብልን ወረቐት ጥርዓን ከቕርብን ይኽእል እዩ።
ማእከል መቐበሊ መጻእተኛታት
ሰባት ኣብ ቤልጂዩም ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽረኽቡ መመልከቲኦም (ናይ ሕቶ ዕቝባ) ዘመዝግቡሉ - ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ማእከል።
ናይ ምንጻል ዞባ
ሰባት እንተውሓደ ን7 መዓልታት ተፈልዮም ዝትሓዝሉ ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ዘሎ ክፍሊ ወይ ኮሪደዮ። ኣብቲ ናይ ምንጻል ዞባ ዘለዉ ሰባት ምስ ዝኾኑ ካልእ ነበርቲ ናይቲ መቐበሊ ማእከል ርክብ ክህልዎም የብሉን፣ እቲ ምንጻል (ምፍላይ) ካልእ ሰባት ካብ ምሕማም ንምግታእን ነቲ ኮሮናቫይረስ መሊሱ ከየስፋሕፍሕ ንምግታእን ኣድላዪ እዩ።
ወቕታዊ ስራሕ
ኣብ ሓጺርን ድሩትን እዋን ናይ ዓመት ጥራይ ዝስራሕ ስራሕ። ኣብነታት ናይ ወቕታዊ ስራሕ ኣብ በልጅም ምእራይ ፍሩታን ምእካብ/ምዕጻድ ኣሕምልትን እዮም።
ወቕታዊ ሰራሕተኛ ሓደ/ሓንቲ ወቕታዊ ስራሕ ዝ/ትሰርሕ ወድተባዕታይ ወይ ጓለንስተይቲ እዩ/ያ። እቲ ኣስራሒ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ/ታ ወቕታዊ ሰራሕተኛ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ የቕርብ።
ናይ ሓባር ምክልኻል
ናይ ሓባር ምክልኻል ዘጋጥም ብዙሕ ጉጅለ ናይ ሰባት ናይ ቫይረስ ተጻዋርነት ምስ ዘማዕብሉ እዩ። እዚ ነቲ ቫይረስ ዝያዳ ንከይላባዕ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ሃገራዊ ቍጽሪ
ሃገራዊ ቍጽሪ፡ ኣብ ቤልጂዩም ምዝጉብ ብዝዀነ ሰብ ዝወሃብ ፍሉይ መለለዪ ቍጽሪ (11 ኣሃዛት ዝሓዘ) እዩ። ንዝዀነ ይኹን ናይ ቤልጂዩም መንነት ድዩስ ሰነድ ነባርነት ዘለዎ ሰብ፡ እዚ ቍጽሪ እዚ ኣለዎ። ነዚ ቍጽሪ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ'ቲ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተዋህበኩም ጥብቆ ወረቐት ከምኡ'ውን ኣብ ናይ 'ኢማትሪኩሌሽን' ምስክር ወረቐትኩም (ብጫ ካርድ)) ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
ድርብ-ጾታዊ
ሓደ ሰብ፡ ጾታዊ ስሕብቱ ምስኡ ኣንጻር ጾታ ናብ ዘለዎ ሰብ ምስ ዝኸውን። ደቂ-ተባዕትዮ ይኹኑ ደቀ'ንስትዮ ድርብ-ጾታውያን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም
ጾታዊ/ወሲባዊ ዝንባለ
ጾታዊ/ወሲባዊ ዝንባለ ምስ ሰባት ንእነርእዮ ወሲባዊ/ጾታዊ ተሳሓቢነት ወይ ዘይተሳሓቢነት ዝገልጽ እዩ።
ንቕሎ
ምብጋስ - ብፍላይ ናብ መገሻ።
ኣብ ቤልጅዩም ከይተጋየሽኩም ክትቅመጡን ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣ ዝሓሸ ኣፍልጦ ክህልወኩምን ትደልዩ ዶ? ኣብ`ቲ እትነብሩሉ ዞባ፡ ኣብ መላለዪ ማሕበራዊ መደባት ተሳተፉን ትምህርቲ ቋንቋ ውሰዱን።
እንተድኣ ኣብ ቤልጂዩም ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ትነብሩ ኣለኹም ኮይንኩም፡ ናብ ሓደ ውጥን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ብፍቓድካ እንተዘይወጺኻ/ኺ፡ መንግስቲ ቤልጂዩም ናብ መበቆል ሃገርካ ንክትምለስ ከገድድካ ይኽእል'ዩ።
ኣብ ቤልጂዩም ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ኣቕሪብኩም ኣለኹም (መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባ)፤ ንደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ተማሊእኩሞም ኣለኹም። ሃገረ ቤልጂዩም ንደቅኹም ኣብ ግምት ተእትዎም እያ።
ዝኽፈሎ ስራሕ ረኺምኩም'ዶ ኣለኹም፧ ምስ ኣስራሒኹም ብሓባር ብምዃን፡ ሓደ ናይ ስራሕ ውዕል ክትፍርሙ ኣለኩም። ከምኡ ድማ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ሓብርዎን፡ ናብ ሓደ ውጥን መድሕን ጥዕና እተዉን።
ትመሃሩ ወይ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸዱ እንተሊኹም፡ ኣብ ርእሲ ትምህርትኹም ብተወሳኺ ሓደ ግዝያዊ ስራሕ እናሰራሕኩም ተወሳኺ ገንዘብ ክተእትዉ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዓይነት ስራሕ እዚ ናይ ተመሃራይ ስራሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ገሊኣቱ፡ መስርሕ ናይ'ቲ ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ዕቝባ) ንምርካብ ዝቐርብ መመልከቲ እተሓላለኸ እዩ። ካብ ኣሳለጥቲ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ትካል ወይ ጠበቓ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ጾታዊ መለለዪን ዝንባለን ናይ ሰባት ዝመጸ ብዙሕ ፍልልያት ክህሉ ዝከኣል እዩ። ኣብ'ዞም ፍልልያት እዚኣቶም ኣኽብሮት ምርኣይን ብዛዕባ ሓድሕድካ ርዱእ ምዃንን ኣገዳሲ እዩ
ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ ረኺምኩም'ዶ ኣለኹም? እንቋዕ ሓጎሰኩም! ኣምሳያ እቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ እትቕመጥዎ ዘለኹም፡ ገለ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብሩ ክትግደዱ ተኽእሎ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይያትኩም ተዛራረቡ።