ገንዘብ ምእታው
ዝኽፈሎ ስራሕ ረኺምኩም'ዶ ኣለኹም፧ ምስ ኣስራሒኹም ብሓባር ብምዃን፡ ሓደ ናይ ስራሕ ውዕል ክትፍርሙ ኣለኩም። ከምኡ ድማ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ሓብርዎን፡ ናብ ሓደ ውጥን መድሕን ጥዕና እተዉን።
ስራሕ ኣለኩም ግን ከኣ ኣብ መቐበሊ ማእከል ወይ ኣብ ከባብያዊ ተበግሶመቐበሊ (CPAS/OCMW) ዲኹም ትቕመጡ
- ትሰርሑ እንተኼንኩም፡ ንናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ብዛዕባ ናትኩም ናይ ስራሕ ውዕል፡ ናይ ስራሕ ሰዓታትኩምን ወረቐት ክፍሊት ደሞዝኩምን ብዝምልከት ክትሕብርዎ ከድልየኩም እዩ።
- ንክፋል ናይቲ ደሞዝኩም ንመንበሪ ገዛ ክትከፍልሉ ከድልየኩም ይክእል እዩ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ናትካ/ኪ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ተዘራረብ/ቢ።
ናብ ሓደ ውጥን መድሕን ጥዕና ተጸንበሩ
ትሰርሑ እንተዄንኩም፡ ከተማልእዎ ዝግባእ ካልእ ረቛሒ እውን ኣሎ፦ ኣብ መደብ መድሕን ጥዕና (ወይ ኣብ ሓባራዊ መደብ መድሕን) ምዝጉባት ክትኰኑ።
ሓደ ውጥን መድሕን ጥዕና እንታይ ይገብር፧
- እቲ ውጥን መድሕን ጥዕና ንኽፋል ካብ ክሎም ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ይኽሕስ (ኣብ ዶክተር ወይ ሓኪም ስኒ ምርኣይ)።
- ስራህ እንተለኩም ኮይኑ፡ ግን ብሰንኪ ሕማም ወይ ሓደጋ ንውሱን ግዜ ክትሰርሑ እንተዘይክኢልኩም፡ እቲ ውጥን መድሕን ጥዕና ንደሞዝኩም ንምትካእ ገንዘባዊ ካህሳ ክኸፍለኩም እዩ።
- እቲ ውጥን መድሕን ጥዕና ብዛዕባ ጥዕናኹም፡ ሕኽምናዊ ወጻኢታትኩምን መሳላትኩም ከም ተሓከምትን ይሕብረኩም።