ኣድራሻ

ፌዳሲል፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘጋጥም ጽበት ቦታ፡ ሓዲኡ ክሳብ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብኡ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ዘይክምርምሮ ይኽእል እዩ። ቀዳምነት ንህጻናት፡ ንደቀ'ንስትዮን ኣብ ኵነተ-ተኣፋፊነት ንዝርከቡ ሰባትን እዩ ዝወሃብ።

ክሳብ ሽዑኡ፡ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ኣመዝጊብኩም ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም። ፌዳሲል፡ ነቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ድሕሪ ምምርማር፡ ንዓኹም ዝኸውን ቦታ እንተተረኺቡ፡ ብኢ-መይል ክሕብረኩም እዩ።

ኣብ ቤልጂዩም ንዘለኩም ኵነታት ዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ዶ?ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብዝምልከት 
ናብ Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)፡ መጺእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፦ ብዛዕባ ስነ-ሕጋዊ ጉዳያት፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም፡ ስራሕ፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ምምሕዳራዊ መስርሓት፡ ናብ ሃገረ-መበቆል ናይ ምምላስ ሓገዝ፡ ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ነገራዊ ሓገዝ።

ናብኡ ኬድኩም፡ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም ሕቶ ከተቕርቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ቦታ ንምርካብ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ከምዝምዝገብ ክትገብሩ እዩ ዝግባእ።

Info Point Fedasil (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)

ዝኽፈተሉ ሰዓታት

  • ሰኑይ     ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.
  • ሰሉስ    ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.
  • ረቡዕ      ዕጹው 
  • ሓሙስ    ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.
  • ዓርቢ    ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.
  • ቀዳም          ዕጹው
  • ሰንበት            ዕጹው

ኣድራሻ፦