ፈትሹ/ድለዩ

እሙን ሰብ

ብመሰረት ሞያኡ ምሳኹም ብቐረባ ዝሰርሕ፡ ልብኹም እተውድቑሉ ሰብ (ክኢላ ስነ-ልቦና፡ መምህር፡ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት ወዘተ)።

ዝተማዛበለ ሰብ

ካብ ሓደ ክሊ ውሽጢ ሃገሩ ናብ ካልእ ዝሃደመ ሰብ። ብዙሓት ሰባት ከባቢኦም ሓዲጎም ናብ ዝቐርቦም ካልእ ከባቢ ይኸዱ።

ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት

መሰነይታ ንዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት መጕዚታት ከምዝምደቡ(ባ)ሎም ዝገብር ትካል ህዝባዊ ኣገልግሎት።

ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት

ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ከምዝነብር ዝውስን ርቛሒ እዩ። እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወሃብ ውሳኔ፡ ግዚያዊ ወይ ቀዋሚ ክኸውን ይኽእል።

ኵላቶም ንኵነተ-ሃለዋት ነባርነት ብዝምልከት ዝወሃቡ ውሳኔታት ነናቶም መሰላትን ግዴታታትን ኣለውዎም። ገለ ካብ'ቶም ብውሳኔ ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት ዝጽለዉ ጉዳያትኩም፡ ኣብ'ዚ ክትሰርሑ ትኽእሉ ዶ ኣይትኽእሉን፡ ናብ ካልእ ሃገር ክትገሹ ትኽእሉ ዶ ኣይትኽእሉን፡ ንኣባላት ስድራ-ቤትኩም ከተምጽእዎም ትኽእሉ ዶ ኣይትኽኡን ምስ ዝብሉ ሕቶታት ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ ይኽእሉ።

ክፍላተ-ትምህርቲ ናይ OKAN

OKAN (ብቛንቋ ዳች) ከም'ዚ ዚስዕብ ዝትርጎም ኣሕጽሮተ-ቃል እዩ፦ ናይ መቐበሊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ወጻኢ ዝዛረቡ መጻእተኛታት።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤልጂዩም ንዝኣተዉ ቋንቋ ወጻኢ ዝዛረቡ ተማሃሮ፡ ፍሉይ ኣድህቦ ኣብ ዝግበረሎም ክፍላተ-ትምህርቲ ተወሳኺ ደገፍ ክግበረሎም ዝከኣል እዩ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኰነ ማሕበራዊ ህይወት ምስ ሕብረተ-ሰብ ብዝግባእ ምእንቲ ክትወሃሃዱ፡ ኣብኡ ቋንቋ ዳች ትመሃሩ።

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ

ንደለይቲ ስራሕ ዝኸውን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ - ኣብ ኵባንያታት፡ ውድባት ወይ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት። ንክፉታት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት መወዓውዒ ሓበሬታ፡ ኣብ ጋዜጣታት፡ ኣብ መለጠፊታት ሓበሬታ ናይ ትካላት ግዚያዊ ዕዮን ኣብ ኢንተርነትን ይወጽእ።

ኣበል ህጻን

ኣብ ፍላንደርስ 'Groeipakket' ('መዕበያዊ ገንዘብ')። ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ዝኽፈሎም ገንዘብ መዕበያዊ ሓገዝ። መጠን ናይ'ዚ ክፍሊት እዚ ኣብ ዕድመን ቦታ ነባርነትን ናይ ዝምልከቶ ህጻን ዝምርኮስ እዩ።

ትሕጃ ናይ ክራይ

ተኻራዪ ግዜ ውዕል ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ናብ ሓደ ዕጹው ዝዀነ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣታዊ ዝገብሮ ድምራዊ ገንዘብ። ተኻራዪ፡ ንዅላቶም እቶም ኣብ ውዕል ክራይ ሰፊሮም ዝርከቡ ግዴታታቱ ምስዘተግብር፡ እዋን ውዕል ክራይ ምስኣብቅዐ ነዚ ገንዘብ እዚ ተመሊሱ ክረኽቦ እዩ።

ንጉሳዊ ኣመራርሓ

ርእሰ-ብሄሩ ንጉስ ወይ ንግስቲ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት።

ትካላት ፍርዲ

ልዕልና ሕጊ ኣብ ምኽባር ዝዓባ ኵላተን ላዕለዎትን ከባብያውያንን ኣብያተ-ፍርዲ።