ፈትሹ/ድለዩ
እሙን ሰብ
ብመሰረት ሞያኡ ምሳኹም ብቐረባ ዝሰርሕ፡ ልብኹም እተውድቑሉ ሰብ (ክኢላ ስነ-ልቦና፡ መምህር፡ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት ወዘተ)።
ዝተማዛበለ ሰብ
ካብ ሓደ ክሊ ውሽጢ ሃገሩ ናብ ካልእ ዝሃደመ ሰብ። ብዙሓት ሰባት ከባቢኦም ሓዲጎም ናብ ዝቐርቦም ካልእ ከባቢ ይኸዱ።
ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት
መሰነይታ ንዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት መጕዚታት ከምዝምደቡ(ባ)ሎም ዝገብር ትካል ህዝባዊ ኣገልግሎት።
ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት
ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ከምዝነብር ዝውስን ርቛሒ እዩ። እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወሃብ ውሳኔ፡ ግዚያዊ ወይ ቀዋሚ ክኸውን ይኽእል።
ኵላቶም ንኵነተ-ሃለዋት ነባርነት ብዝምልከት ዝወሃቡ ውሳኔታት ነናቶም መሰላትን ግዴታታትን ኣለውዎም። ገለ ካብ'ቶም ብውሳኔ ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት ዝጽለዉ ጉዳያትኩም፡ ኣብ'ዚ ክትሰርሑ ትኽእሉ ዶ ኣይትኽእሉን፡ ናብ ካልእ ሃገር ክትገሹ ትኽእሉ ዶ ኣይትኽእሉን፡ ንኣባላት ስድራ-ቤትኩም ከተምጽእዎም ትኽእሉ ዶ ኣይትኽኡን ምስ ዝብሉ ሕቶታት ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ ይኽእሉ።
ክፍላተ-ትምህርቲ ናይ OKAN
OKAN (ብቛንቋ ዳች) ከም'ዚ ዚስዕብ ዝትርጎም ኣሕጽሮተ-ቃል እዩ፦ ናይ መቐበሊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ወጻኢ ዝዛረቡ መጻእተኛታት።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤልጂዩም ንዝኣተዉ ቋንቋ ወጻኢ ዝዛረቡ ተማሃሮ፡ ፍሉይ ኣድህቦ ኣብ ዝግበረሎም ክፍላተ-ትምህርቲ ተወሳኺ ደገፍ ክግበረሎም ዝከኣል እዩ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኰነ ማሕበራዊ ህይወት ምስ ሕብረተ-ሰብ ብዝግባእ ምእንቲ ክትወሃሃዱ፡ ኣብኡ ቋንቋ ዳች ትመሃሩ።
ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ
ንደለይቲ ስራሕ ዝኸውን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ - ኣብ ኵባንያታት፡ ውድባት ወይ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት። ንክፉታት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት መወዓውዒ ሓበሬታ፡ ኣብ ጋዜጣታት፡ ኣብ መለጠፊታት ሓበሬታ ናይ ትካላት ግዚያዊ ዕዮን ኣብ ኢንተርነትን ይወጽእ።
ኣበል ህጻን
ኣብ ፍላንደርስ 'Groeipakket' ('መዕበያዊ ገንዘብ')። ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ዝኽፈሎም ገንዘብ መዕበያዊ ሓገዝ። መጠን ናይ'ዚ ክፍሊት እዚ ኣብ ዕድመን ቦታ ነባርነትን ናይ ዝምልከቶ ህጻን ዝምርኮስ እዩ።
ትሕጃ ናይ ክራይ
ተኻራዪ ግዜ ውዕል ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ናብ ሓደ ዕጹው ዝዀነ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣታዊ ዝገብሮ ድምራዊ ገንዘብ። ተኻራዪ፡ ንዅላቶም እቶም ኣብ ውዕል ክራይ ሰፊሮም ዝርከቡ ግዴታታቱ ምስዘተግብር፡ እዋን ውዕል ክራይ ምስኣብቅዐ ነዚ ገንዘብ እዚ ተመሊሱ ክረኽቦ እዩ።
ንጉሳዊ ኣመራርሓ
ርእሰ-ብሄሩ ንጉስ ወይ ንግስቲ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት።
ትካላት ፍርዲ
ልዕልና ሕጊ ኣብ ምኽባር ዝዓባ ኵላተን ላዕለዎትን ከባብያውያንን ኣብያተ-ፍርዲ።
ናብ ቤልጅዩም ዝኣትዉ ሰባት ኣብ'ዛ ሃገር ዕቝባ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ዕቝባ ምሕታት ማለት፡ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ምስእትዀኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትኩም ሓደጋ ከጋጥም ስለዝኽእል፡ ኣብ'ዚ ውሕስነት ምሕታት ማለት እዩ።
ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ብመንጽር ጕጅለ ዕድመ እየን ዝፈላለያ።
ትካል CGVS/CGRA ኣጽዲቑልኩም ንዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትከምዘብቅዕ ክገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓድሽ ዜግነት ምስእትቕበሉ ወይ ናብ`ታ ኣሳዳዲ ኵነት ፈሪሕኩም ዝመጻእኩሙላ ሃገር ተመሊስኩም ክትቅመጡ ምስእትጅምሩ። ጉዳይኩም ኣብ መስርሕ መርመራ እንከሎ ኣብ ናይ ምትላል ገበናዊ ተግባር ምስእትርከቡ እውን፡ ትካል CGVS/CGRA እቲ ኣጽዲቑልኩም ዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ መሰል/ኵነተ-ሃለዋት ከምእትሕደጉ/ከምእትኽእልኡ ክገብር ይኽእል እዩ።
ነቲ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ረኺብኩሞ ዝጸናሕኩም ወግዓዊ ተቐባልነት፡ ባዕልኹም ከምዘብቅዕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡ ካብ ሃገርኩም እትሃድሙሉ ምኽንያት ደጊም የልቦን ዝብል ሓሳብ ምስዝህልወኩም።
ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ብዙሓት ሰባት ተኣኪብኩም ኣብ እትነብርሉ እዋን፡ ከም ዓበቕ ብዝበሉ ተላገብቲ ሕማማት ክትጥቅዑ ተኽእሎ ኣለኩም።
ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም) ዲኹም፡ ከምኡ'ውን ናብ ቤልጅዩም ብዘይ ወላዲ ወይ ሕጋዊ መጕዚት ዲኹም መጺእኩም? ከምኡ ምስ እንተኾኑ፡ ብዘይ መሰነይታ ከም ዝመጹ ወጻእተኛታት ትሕዝቲ-ዕድመ መእሰያት/ህጻናት ክትቍጸሩ ኢኹም።
ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትዕቈቡ መሰል ዶ የብልኩምን ከምኡ'ውን ክትድቅሱሉ እትኽእሉ ውሑስ ዝዀነ ቦታ/ኣከባቢ ዶ ኸ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ቤልጅዩም፡ ዝተፋላለያ ንጽጉማት ሰባት ዝሕግዛን መጽለሊ ዝህባን ትካላት ኣለዋ።
እወ፡ ዝዀነ ይኹን ናብ ቤልጅዩም ዝኣተወ ወጻእተኛ፡ ናብ ዝምልከቶም ትካላት መዚ ናይ ቤልጅዩም፡ መመልከቲ ናይ ኣህጉራዊ ሓለዋ (ሕቶ ዕቝባ) ከቕርብ ይኽእል እዩ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሰርትፍኬት ምስሓዝኩም፡ ትምህርትኹም ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትቅጽሉ ትኽእሉ። ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዘምርሓኩም ዲፕሎማታት የውህበኩም፥ መምህር፡ ኣላዪ/ት ሕሙማት፡ ሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ኣካውንታንት፡ ወዘተ።