ፈትሹ/ድለዩ

ውዕል ሓባራዊ ናብራ

ውዕል ሓባራዊ ናብራ፡ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝቝጽሮም ሰባት ኣብ ሓንቲ ቤት ብሓባር ንምንባር ዝኣትውዎ ውዕል እዩ።

ወኪል

ወኪል ዝበሃል፡ ኣብ ክንዳኹምን ከማኹምን ኰይኑ (ሕጋዊ) ተግባራት ንኽፍጽም ወግዓዊ ውክልና እትህብዎ ሰብ።

ማሕበራዊ ደገፍ

ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ህይወት ክትመርሑ ምስዘይትኽእሉ፡ ብትካል CPAS/OCMW ዝወሃብ ማሕበራዊ ደገፍ ንኽግበረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ፡ ንኣብነት፡ ገንዘባዊ ደገፍ ወይ ካብ CPAS/OCMW ዝርከብ ዕድል ስራሕ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ገለ እዋናት፡ ማሕበራዊ ደገፍ ኣብ ሕክምናዊ ሓገዝ ናይ ህጹጽ ረድኤት ጥራይ ዝተሓጽረ ክኸውን ይኽእል እዩ።

CAW

ማእከል ሓፈሻዊ ዕዮ ናይ ሰብኣዊ-ድሕነት. ትካል CAW ንዝተጸገሙ ሰባት ሞያዊ ሓገዝ ይገብር እዩ። ክኢላታት ስነ-ማዕዳ፡ ምሳኻትኩም ብምዃን ብዛዕባ ኣብ ኢድኩም ድዩስ ኣብ ከባቢኹም ዘለዉኹም ዕድላት ይዝትዩ። ካልኦት ኣገልግሎታት ንኽወሃቡኹም እውን ብሪፈራል መልክዕ ናብ ዝምልከተን ትካላት ክሰዱኹም ይኽእሉ እዮም።

IOM

ዓለም-ለኻዊ ውድብ ንስደተኛታት። ትካል IOM ብዛዕባ ጉዳይ ስደት ዝመጸ፡ ሰብኣውነትን ኣገባብን ዘለዎ ምሕደራ ከምዝህሉ ዝገብር፡ ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ መዳይ እዚ ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር ንኽህሉ ይድርኽ። ትካል IOM ተግባራውያን ዝዀኑ ፍታሓት ኣብ ምንዳይ ይተሓጋገዝ፡ ከምኡ'ውን ንጽጉማት ስደተኛታት ሰብኣውነት ዘለዎ ደገፍ ይገብር።

CGRS / CGRA / CGVS

ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኮሚሽነር ስደተኛታትን ሃገር-ኣልቦ ሰባትን። CGVS/CGRA ጸግዒ-ኣልቦ ፈደራላዊ ትካል ናይ ቤልጂዩም ኰይኑ፡ ንዝቐርቡ መመልከቲታት ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብውልቂ ደረጃን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ኣድልዎን ዝምርምር ኣካል እዩ። 

ራጂ

ራጂ፡ 'ኤክስረይ' ዝተባህለ ጨረርታ ብምጥቃም ውሽጣዊ ስእሊ ኣካላት ናይ ወዲ ሰብ ዝዳለወሉ ኣገባብ እዩ።

ተማሃራይ ሰራሕተኛ

ኣብ ርእሲ ዕማም ትምህርቱ ስራሕ ዝዓምም ተማሃራይ (ናይ ካልኣይ ደረጃ ወይ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ)። ነቶም ብተማሃቶ ዝዕመሙ ስራሓት ዝምልከቱ ፍሉያት ሕጋጋት ኣለዉ። ንስኻ/ኺ ዕድሜኻ እንተውሓደ 15 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።

ናይ ማሕበራዊ ምልላይ ክፍላተ-ትምህርቲ

ክፍላተ-ትምህርቲ ማሕበራዊ ውህደት። ብዛዕባ ኵነታት መነባብሮ፡ ስራሕን ትምህርትን ናይ ሃገረ-ቤልጂዩም ፍልጠት እትቐስሙሉ ስልጠና እዩ። ንዘለዉኹም መሰላትን ግዴታታትን ብዝምልከት ሓበሬታ ትሰንቁሉ። ነዚ ስልጠና ናይ ማሕበራዊ ውህደት፡ ብቛንቋታት ዳች/ፈረንሳ ወይ ብኻልእ ቋንቋ ክትከታተልዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብሕትውና

ብሕትውና፡ ንዅላቶም ኣብ ትሕቲ ውልቃዊ ህይወትኩም ዝጠቓለሉ ጉዳያት ዝምልከት እዩ። መሰል ብሕትውናኹም ዝኽበረሎም ሕጋጋት ኣለዉ።