ፈትሹ/ድለዩ
ዘይሕጋዊ
ሕጋውያን ሰነዳት ከይሓዘ ኣብ'ዛ ሃገር ዝርከብ ሰብ፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ እዩ። ገለ ሰባት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝዀኑ ሰነዳት ዝሓዙ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ሰነድ ዝበሃል ብፍጹም ዘይብሎም እዮም።
ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ሰብ
ልዑል መጠን ክፍሊት ብምውሳድ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዶብ ከምዝሰግሩ ዝገብር ሰብ። እዞም ከም'ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ብዙሕ ሳዕ፡ ኣገባብ መጓዓዝያ፡ መግቢ፡ መጽለሊን (ትምዩን) ሰነድን የዳልዉ። ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰብ፡ ነዚ ንኽገብሩ ልዑል መጠን ገንዘብ እዮም ዝሓቱ። ገለ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰብ ንዓማዊሎም ክጠልሙ ይረኣዩ።
ፋይዳዊ ደረጃ መርመራ
ኣብ ፋይዳዊ ደረጃ መርመራ፡ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ይምርመር (ብመሰረት ዘለውዎ ፋይዳታት)። ኣብ መመልከቲኹም ዝተጠቕሱ ሓቅታት ይምርመሩ።
ፖሊስ
ፖሊስ ኣካል መንግስታዊ ኣገልግሎት እዩ። ፖሊስ ህዝባዊ ስርዓትን ድሕነትን የውሕስ፣ ኣብ ልዕሊ ገበናውያን ተግባራት መርመራ የካይድ፣ ከምኡ'ውን ሓገዝ ይገብር።
ናይ ኢማትሪኩሌሽን ወረቐት ምስክር (AI) ወይ ኣራንሾኒ ካርድ
ናይ ኢማትሪኩሌሽን ወረቐት ምስክር (AI) ወይ ኣራንሾኒ ካርድ ከም ኣመልከትቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ (ሓተትቲ ዕቝባ) መጠን ዝወሃበኩም ግዚያዊ ሰነድ ፍቓድ ነባርነት እዩ። እዚ ወረቐት ምስክር እዚ ክትሰርሑ ከምእትኽእሉን ከምዘይትኽእሉን እውን ዝጠቅስ እዩ።
ጥብቆ-26 ምስዝህልወኩም፡ ሰነድ AI ካብ ምምሕዳር ከተማ ኪወሃበኩም ዝከኣል እዩ። ቀጺልኩም መመልከቲ እንተኣቕሪብኩም፡ ትካል CGVS/CGRA ንጠለብኩም ምስዘጽድቖ ጥራይ እዩ AI ክወሃበኩም ዝከኣል።
ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት
ቤልጂዩም ዝርዝር ናይ'ተን ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት ኣዳልያ ኣላ። ብዛዕብ ኣጉዳይ ናይ'ቶም ካብ'ዘን ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብዝምልከት፡ ምስ CGVS/CGRA ኰነ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝስርሓሉ ፍሉይ (ናይ ኣቋራጭ) ኣገባብ ኣሎ። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ከም ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት ዝውሰዳ እዘን ቀጺለን ዝጥቀሳ እየን፦ ኣልባኒያ፡ ቦዝኒያ-ሄርዞጎቪና፡ FYROM፡ ኮሶቮ፡ ሞንተኔግሮ፡ ሰርቢያ፡ ህንድን ጂዮርጂያን።
.
ውዕል ስራሕ
ውዕል ስራሕ፡ ኣስራሒን ሰራሕተኛን ዝኣትውዎ ውዕል እዩ። ከም ብዝሒ ሰዓታት ስራሕን መጠን ደሞዝን ንዝኣመሰሉ ነጥብታት ቅድመ-ኵነት ናይ ኣቈጻጽራ ሰራሕተኛ ዝሓዘ ሰነድ እዩ።
ትካል ዝኽፈተሎም ሰዓታት
ትካል ዝኽፈተሎም ሰዓታት፡ ሓደ ድኳን ድዩስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ንምሃብ በሩ ዘርሕወሎም ሰዓታት እዮም።
ግብርታት
ውልቀ-ሰብ ዜጋታትን ትካላትን ንመንግስቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ። መንግስቲ፡ ንዝኣከቦ ግብሪ፡ ህዝባውያን ኣገልግሎታት ኣብ ምምዋል የውዕሎ (ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ጠቕማዊ ሓገዝ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ወዘተ)።
ዕዮኣዊ ሕጽረታት ዘለዎም ሞያውያን
ኣስራሕቲ ልክዕ ናይ ስራሕ ቦታ ክረክቡሎም ዘይክእሉ ሞያውያን።
ገለ ዕቑባት ስደተኛታት ብምኽንያት ዳግመ-ምጥያስ እዮም ናብ ቤልጂዩም ዝኣትዉ።
ቃለ-መሕትት ምስ ኣካየድኩም፡ ትካል CGVS/CGRA ነቲ ዝሃብኩሞ ሓበሬታን ንዘቕረብኩሞም ሰነዳትን ክፍትሽ እዩ። ድሕር`ዚ፡ ትካል CGVS/CGRA ነቲ ናይ ዕቝባ መመልከቲኹም ብዝምልከት ውሳኔ ክህብ እዩ።
ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደለዩ ሰባት ካብ ትካል ፌዳሲል ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
ምስ ጾታዊ ዝንባለኹም ወይ ጾታዊ መለለዪኹም ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ኣሳዳዲ ኵነታት ወይ ተመኵሮ ከየጋጥመኩም ትሰግኡ/ትፈርሑ ዶ? ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽወሃብኩም መመልከቲ ኣቕርቡ።
ሓተትቲ ዕቝባ ክነስኹም ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተዘይሃሊኹም፡ ተጠቀምቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ናይ ምዃን ዕድል ግን ኣለኩም።
ሓተትቲ ዕቝባ ሕጋጋት ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ከኽብሩ ይግባእ።
ኣብ ቤልጅዩም፡ ናይ ቡምባ ማይ ክስተ ዝከኣል እዩ። ክትሰትይዎ ዘይትኽእሉ ማይ፡ ምስታይ ክልኩል ምዃኑ ዝገልጽ ምልክት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ።
ኣሉታዊ መልሲ ዝተዋህቦም ሓተትቲ ዕቝባ፡ ገና ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ን 30 መዓልትታት ናይ ምጽናሕ ዕድል ኣለዎም። እዞም መዓልትታት እዚኣቶም፡ ዝምልከቶም ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ቤልጂዩም ንምንቃል ንኽዳለዉ ተባሂሎም ዝወሃቡ እዮም።
ኣብ ቤልጂዩም ንምስራሕ፡ ንምምሃርን ምስ ሰባት ርክብ ንምፍጣርን፡ ነቲ ቋንቋ ክትምሃርዎ የድልየኩም። ኣብ ቤልጂዩም፡ ናይ ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ኮርስ ክትወስዱ ትኽእሉ፣ ንሱ፡ ንሓደሽቲ ዝኣተዉ ዘይደቂ ዓዲ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።