ፈትሹ/ድለዩ

ዝተዛዘመ መስርሕ

ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ መመልከቲ ዘቕርቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ዘቕርብዎ መመልከቲ ኣሉታዊ መልሲ ኪወሃቦም ዝከኣል እዩ። ይግባይ ድሕሪ ምባልኩም እንደገና ኣሉታዊ መልሲ ምስዝወሃበኩም፡ መስርሕ ሕቶኹም ተዛዚሙ እዩ ማለት ስለዝዀነ፡ ካብ ክሊ ሃገረ-ቤልጂዩም ክትወጹ ይግባእ።

ስነ-ሕጋዊ መርመራ

መንነት ናይ ፈጸምቲ ገበን ንምፍላጥን ጭብጥታት ንምእካብን ዝካየድ ስነ-ሕጋዊ መስርሕ መርመራ። ስነ-ሕጋዊ መርመራ ብመርመራዊ ዳኛ እዩ ዝካየድ። ድሕር`ዚ መርመራ እዚ፡ ቤት-ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ፍርዲ ይህብ።

ህዝባዊ ኣኽባሪ ሕጊ

ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ዘቕርብን ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ዝምሕጸንን ትካል-መዚ ናይ ቤልጂዩም።

ስደተኛ

ሓደ ኣብ ካልእ ሃገር ንኽነብር ካብ ሃገሩ ዝወጽእ ሰብ። እቶም ስራሕ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ዝኸዱ ሰባት፡ ከም ልሙድ፡ `ስደተኛ` ብዝብል ቃል ይጽውዑ እዮም።

መሰነይታ ዘለዎ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ወይ ህጻን

ብወለዱ ወይ ሕጋዊ/ት መጕዚቱ ዝተሰነየ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ።

መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ወይ ህጻን

ብዘይ መሰነይታ ዝመጸ ወጻእተኛ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ወይ ህጻን(UFM)። ብዘይ ወላዲ ወይ (ሕጋዊ/ት) መጕዚት ናብ ቤልጂዩም ዝመጸ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ።

መስርሕ ክሲ

ኣብ ቤልጂዩም፡ ሓደ ሰብ ገበን ምስዝፍጽም፡ ተኸሲሱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቐርብ። እዚ ድማ እቲ ዝምልከቶ ሰብ ብፖሊስ ተመርሚሩ ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ንኽቐርብ ይግደድ ማለት እዩ። ገንዘባዊ ድዩስ ካልእ መቕጻዕቲ ይብየነሉ።

ናይ ተኽእሎ ተቐባልነት ደረጃ ግዜ

ሓደ ኣመልካቲ ገለ ወግዓውያን መምዘኒታት ከምዘማልእን ከምዘየማልእን ዝግምገመሉ ቀዳማይ ደረጃ እዋን። ሓደ ዝቐረበ መመልከቲ ተቐባልነት ንኽረክብ ተኽእሎ ዘለዎ ምስዝኸውን፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ክምርመር እዩ (ብመሰረት ዘለውዎ ፋይዳታት)።

ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ

ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ብሰንኪ ምምላስኩም ኣብ ናይ ሓቂ ከቢድ/ዕቱብ ሓደጋ ክትኣትዉ ዝከኣል ምስዝኸውንን ኣብኡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዕቝባ ክትረኽቡ ዘይትእኽእሉ ምስእትዀኑን፡ ትካል CGVS/CGRA ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ይህበኩም።

ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ዝጸደቐሉ ሰብ፡ ኣብ 1 ዓመት ዝተደረተ ዕድመ ዘለዎ ፍቓድ ነባርነት ይወሃብ። እዚ ድማ ን 2 ዓመታት፡ ማለት ክልተ ሳዕ ክሕደስ ይከኣል። ድሕሪ 5 ዓመታት ቀዋሚ ፍቓድ ነባርነት ይወሃበኩም፤ ማለት ትካል CGVS/CGRA ኣብ ውሽጢ እዞም ዓመታት እዚኣቶም ንኵነተ-ሃለዋትኩም ፍሩስ ከይገበሮ ምስዝጸንሕ።

ወለንታዊ ምምላስ

ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃቦምም መመልከቲ ዘቕረቡ ከምኡ'ውን ሕጋዊ ፍቓድ ነባርነት ዘይብሎም ሰባት፡ ኣብ ዝደለይዎ ሰዓት ብወለንታ ናብ ናይ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ነዚ ንኽገብሩ ዝሕግዞም ኣካል፡ ትካል ፌዳሲል እዩ፦ ንጕዕዞኦም ዝዀኖም ትኬት ነፋሪትን ካልኦት ሓገዛትን ካብ'ዚ ትካል እዚ ይረኽቡ።