ብኽራይ እትቕመጥዎ ገዛ ርኸቡ
ከም ዕቑባት ስደተኛታት፡ ተቐባልነት ምስረኸብኩም፡ ናትኩም መንበሪ ገዛ ንኽትረኽቡ ናይ 2 ኣዋርሕ ግዜ ኣለኩም። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ምውድኡ፡ ካብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ወይ ካብ መንበሪ ገዛ ናይ CPAS/OCMWንኽትወጹ ክትግደዱ ኢኹም።
እዚ ናይ 2 ኣዋርሕ ግዜ ክሳብ ዝውዳእ ገዛ ምስዘይትረኽቡ፡ ትካል ፌዳሲል ነዚ እዋን እዚ ካብ 4 ኣዋርሕ ንዘይበዝሕ ግዜ ከናውሓልኩም ይኽእል እዩ።
ንሰነዳትኩም ብጽፈት ሓዝዎም
ናይ ገዛእ-ርእስኹም መንበሪ ቦታ ከተናድዩ ቅድሚ ምጅማርኩም፡ ሰነዳትኩም ብጽፈት ተታሒዞም ምህላዎም ኣረጋግጹ።
- ኤሌክትሮኒካዊ መለለዪ መንነት ካርድ(A)
- ናይ ባንክ ሕሳብ ከምኡ`ውን ናይ ባንክ ካርድ
- መድሕን ጥዕና
እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ውዕል ክራይ ገዛ ንኸተጻፍፉ፡ ከድልዩኹም እዮም።
ንኽራይ ገዛ ክንደይ ዝመጠኑ ገንዘብ ከተውጽኡ እኽእሉ?
- ሓደ-ሲሶ ናይ ኣታዊና ጥራይ ኣብ ክራይ ገዛ ከነውዕሎ ከምዝግባእ ኢና እንመክር። ልዕሊ ፍርቂ ናይ ኣታዊና ኣብ ክራይ ገዛ ኣይነውዕሎ!
መንበሪ ገዛ ርኸቡ
መንበሪ ገዛ ሃሰው ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም
- ኣብ ናይ ውልቀ-ሰባት ዕዳጋ፦ ብመገዲ ትካል ድለላን መሸጣ ኣባይትን ወይ ብመገዲ ፈተውቲ ይኹኑ ፈለጥትኹም ወይ ኣብ ምርካብ ገዛ ብዝተሓጋገዙ ወለንተኛታት ኣቢልኩም።
- ኣብ ማሕበራዊ ዕዳጋ፦ ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ (SVK/AIS) ወይ ኵባንያ ማሕበራውያን መንበሪ ኣባይቲ (SHM/SLS)፡ ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ዝመጸ ንዝተጸገማ ስድራ-ቤታት መንበሪ ኣባይቲ ይህቡ።
ነቲ ቦታ ንኽንርእዮ ቈጸራ ንሓዝ
- እቲ እትካረይዎ ገዛ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘሎ ኣረጋግጹ። እኹል ቦታ ዶ ኣለዎ እዩ? ቀጸላ ምክልኻል ራህዲ/ኦሞዲታ ኣለዎ ዶ? ብግቡእ ዝሰርሕ መስመራት ማይ፡ መሞቑ ገዛን ኤሌትሪክን ኣለዎ ዶ? እቲ እትነብሩሉ ገዛ ንስድራ-ቤትኩም ውሕስነት ዝህብ ድዩ?
ውዕል ክራይ ገዛ ነጻፍፍ
- ንስኹም (ከም ተኻረይቲ)ን ኣካራዪኹምን ኣብ ውዕል ክራይ ገዛ ክታምኩም ከተንብሩ ይግባእ።
- ኣካራዪ ከም ትሕጃ ናይ ክራይ ካብ ተኻራዪ፡ ክንዲ ናይ ሓደ ወርሒ ክራይ ገዛ ዝመጠኑ ተወሳኺ ይሓትት እዩ። ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ናይ ውሕስነት፡ ካብ ናይ 1 ወርሒ ክሳብ ናይ 3 ኣዋርሕ መጠን ክራይ ገዛ ይፈላለ። ትካል CPAS/OCMW ነዚ ትሕጃዊ ክፍሊት ናይ ክራይ ገዛ ንኸሕልፈልኩም ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ገንዘብ እዚ ግን ድሒርኩም ክትከፍልዎ ክትግደዱ ኢኹም።