ፈትሹ/ድለዩ
መንጎኝነት ኣብ ጉዳይ ዕዳ
ኣብ ሽምግልናዊ መስርሕ ወይ መንጎኝነት ናይ ጉዳይ ዕዳ ምስእትኣትዉ፡ ኣብ ጉዳይ ምኽፋል ዕዳኹም ኢዱ ንምእታው፡ ትካል CPAS/OCMW ምስ ኣለቃሕትኹም ገለ መደብ ክገብር ክፍትን እዩ።
ቤት-ጽሕፈት ዕዮ
ቤት-ጽሕፈት ዕዮ፡ ስራሕ ኣብ ምርካብ ይተሓጋገዘኩም። ንኣብነት፦ VDAB, Actiris, Forem.
መነባበሪ ደሞዝ
ማሕበራዊ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንስኡናት ሰባት ብትካል CPAS/OCMW ወርሓዊ ዝኽፈሎም ድምራዊ ገንዘብ። መጠን ናይ'ዚ ዝኽፈል ገንዘብ ምስ ብዝሒ ኣባላት ስድራ-ቤት ዝፈላለዩ እዩ።
ውዕል ክራይ
ኣካራዪን ተኻራዪን ዝኣትውዎ ውዕል። ከም ተኻረይቲ መጠን፡ ሕጋዊ ውሕስነት ኣለኩም።
LRI / ILA / LOI
ከባብያዊ ትካል ምቕባል ኣጋይሽ ብትካል OCMW/CPAS ዝካየዱ - ሓተትቲ ዕቝባ ወይ ዕቑባት ስደተኛታት ዝቕመጡሎም ጥርኑፋት ኣባይቲ።
ወለንታዊ ስራሕ/ዕዮ
ናጻ ስራሕ - ኩሉ ሳዕ ናብ ማሕበራዊ ምትሕብባር ገጹ ዝቐንዐ።
ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ
እንተ ደኣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ወይ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ብዛዕባ ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኑንዘይምዃኑን ገለ ጥርጥር ሃልይዎም፡ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት፡ ሕክምናዊ መርመራ ናይ ዕድመ ከም እተካይዱከገብር ይኽእል እዩ። ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ፡ ዶክተር ንግምት ዕድሜኹም ብዝምልከት ውሳኔ ዝህበሉ - ኣብ ሆስፒታል ዝካየድ መርመራ እዩ።
ደገፍ ዘድልዮ ውልቃዊ ናብራ
ዓድሜኹም ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት እንተዀይኑ፡ እዚ ንውልቅኹም ንኽትነብሩ ዘኽእለኩም ኣማራጺ ክኸውን ትኽእል እዩ። ሓደ ብውልቂ ዝቘጻጸረኩም ሰብ ኣብ ጉዳይ መነባብሮኹም ክተሓጋገዘኩም እዩ፤ ማለት ኣብ ኣተኣላልያ ጉዳያትኩም፡ ኣብ ጉዳይ ስራሕ ድዩስ ትምህርቲ ወይ ገንዘብ፤ ከምኡ'ውን ምስ ስምዒት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት።
Kind & Gezin / ONE
ትካላት Kind & Gezin (ኣብ ፍላንደርስ) ከምኡ'ውን ONE (ኣብ ዋሎኒያ) ድሕሪ ምውላድ ህጻን፡ ህጻን ንዘለወን ስድራ-ቤታት ኣብ መዳይ ኣተኣላልያ ህጻን ሓገዝ ይገብራ።
እገዳዊ ስጉምቲ
ሕጋጋት መንበሪ ገዛ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስእትጥሕሱ ዝውሰደልኩም ምምሕዳራዊ ስጉምቲ።
መሰነይታ ከም ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት መጠን፡ ከም ልሙድ፡ ኣብ ንእሽቶይ ጕጅለ ናይ ናኣሽቱ መዛኑኹም ተጠርኒፍኩም ወይ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኢኹም እትነብሩ። ምናልባሽ ግን ድሮ ኣብ ቤልጅዩም ክትነብር ምስ ዝጸንሐት ስድራ-ቤት ወይ ምስ ፈለጥትኹም ድዩስ ምስ ቤልጅዩማዊት ስድራ-ቤት ክትቅመጡ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ 'ኣብ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ምጽጋዕ' ይበሃል።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋሃብኩሞ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ኣለኩም ዶ? NARIC ፍላንደርስ፡ ኣብ ፍላንደርስ ክሰርሑ ኰነ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ወረቓቕቲ ምስክር ትምርህትታቶም ብምግምጋም ተቐባልነት ይህብ።
ንስኻ/ኺ ትሕቲ ዕድመ ዲኻ - ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽውሃበካ ኣመልኪትካ'ዶ ኣለኻ? ንናትኩም መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ነቲ ቃለ-መሕትት ክሓላልኽዎ ዝኽእሉ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣለዉኻ/ኺ ድዮም? ብዛዕባ'ዚ ምስቲ ናትካ/ኪ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይኩም ተዘራረቡ።
ቀይሕ መስቀል፡ ኣባላት ስድራቤትኩም ኣብ ምድላይ ይሕግዝኹም እዮም። ቀይሕ መስቀል ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ካልእ ናይ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ማሕበራት፣ ከምኡ'ውን ምስ ኣብ ናይ ግጭት ዞባታት ዘለዉ ፍሉያት ወከልቲ ይተሓባበር።
ኣብ ቤልጅዩም፡ ብዙሓት ዓይነት ኣገልግሎት፡ ብቐጥታ ብመርበብ ሓበሬታ እዮም ዝወሃቡ፤ ንኣብነት፡ ቈጸራ ሓኪም ምሓዝ፡ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብ ገንዘብ ምስግጋር...
ከም ኣመልከትቲ ንኣህጉራዊ ሓለዋ መጠን፡ ከም ወለንተኛ ኮይንኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሓደስቲ ሰባት ትረኽብሉ፡ ቋንቋ ትምሃርሉን ሓደስቲ ተመክሮታት ትቐስምሉን ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ።
ንውሳኔ ናይ ትካል CGVS/CGRA ትቃወምዎ ዶ? ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ናብ ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት (CALL/RvV/CCE)ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ እዚ ኣማራጺ እዚ ምስ ጠበቓኹም ተማኸሩ።
እታ ሃገር እብ 3 ዞባታት ዝተመቕለት እያ። ነፍስ ወከፍ ዞባ ናታ መንግስቲ ኣለዋ።