ፈትሹ/ድለዩ

መንጎኝነት ኣብ ጉዳይ ዕዳ

ኣብ ሽምግልናዊ መስርሕ ወይ መንጎኝነት ናይ ጉዳይ ዕዳ ምስእትኣትዉ፡ ኣብ ጉዳይ ምኽፋል ዕዳኹም ኢዱ ንምእታው፡ ትካል CPAS/OCMW ምስ ኣለቃሕትኹም ገለ መደብ ክገብር ክፍትን እዩ።

ቤት-ጽሕፈት ዕዮ

ቤት-ጽሕፈት ዕዮ፡ ስራሕ ኣብ ምርካብ ይተሓጋገዘኩም። ንኣብነት፦ VDAB, Actiris, Forem.

መነባበሪ ደሞዝ

ማሕበራዊ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንስኡናት ሰባት ብትካል CPAS/OCMW ወርሓዊ ዝኽፈሎም ድምራዊ ገንዘብ። መጠን ናይ'ዚ ዝኽፈል ገንዘብ ምስ ብዝሒ ኣባላት ስድራ-ቤት ዝፈላለዩ እዩ።

ውዕል ክራይ

ኣካራዪን ተኻራዪን ዝኣትውዎ ውዕል። ከም ተኻረይቲ መጠን፡ ሕጋዊ ውሕስነት ኣለኩም።

LRI / ILA / LOI

ከባብያዊ ትካል ምቕባል ኣጋይሽ ብትካል OCMW/CPAS ዝካየዱ - ሓተትቲ ዕቝባ ወይ ዕቑባት ስደተኛታት ዝቕመጡሎም ጥርኑፋት ኣባይቲ።

ወለንታዊ ስራሕ/ዕዮ

ናጻ ስራሕ - ኩሉ ሳዕ ናብ ማሕበራዊ ምትሕብባር ገጹ ዝቐንዐ።

ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ

እንተ ደኣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ወይ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ብዛዕባ ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኑንዘይምዃኑን ገለ ጥርጥር ሃልይዎም፡ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት፡ ሕክምናዊ መርመራ ናይ ዕድመ ከም እተካይዱከገብር ይኽእል እዩ። ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ፡ ዶክተር ንግምት ዕድሜኹም ብዝምልከት ውሳኔ ዝህበሉ - ኣብ ሆስፒታል ዝካየድ መርመራ እዩ።

ደገፍ ዘድልዮ ውልቃዊ ናብራ

ዓድሜኹም ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት እንተዀይኑ፡ እዚ ንውልቅኹም ንኽትነብሩ ዘኽእለኩም ኣማራጺ ክኸውን ትኽእል እዩ። ሓደ ብውልቂ ዝቘጻጸረኩም ሰብ ኣብ ጉዳይ መነባብሮኹም ክተሓጋገዘኩም እዩ፤ ማለት ኣብ ኣተኣላልያ ጉዳያትኩም፡ ኣብ ጉዳይ ስራሕ ድዩስ ትምህርቲ ወይ ገንዘብ፤ ከምኡ'ውን ምስ ስምዒት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት።

Kind & Gezin / ONE

ትካላት Kind & Gezin (ኣብ ፍላንደርስ) ከምኡ'ውን ONE (ኣብ ዋሎኒያ) ድሕሪ ምውላድ ህጻን፡ ህጻን ንዘለወን ስድራ-ቤታት ኣብ መዳይ ኣተኣላልያ ህጻን ሓገዝ ይገብራ።

እገዳዊ ስጉምቲ

ሕጋጋት መንበሪ ገዛ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስእትጥሕሱ ዝውሰደልኩም ምምሕዳራዊ ስጉምቲ።