ዕድሜኹም 18 ዓመት መሊኡ፤ ዝስዕብ እንታይ እዩ?

እታ ዕድሜኹም 18 ዓመት ዝመልኣላ መዓልቲ ኣብ ህይወትኩም ወሳኒት እያ። ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ከም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ኣይትቝጸሩን ስለዝዀንኩም ኣብ ልዕሊ መስርሕ ጉዳይ ነባርነትኩም ኰነ ብዛዕባ ኣብ ቤልጅዩም ተቐባልነት ምርካብኩምን ዘይምርካብኩምን ጸላዊ ረቛሒ እዩ።

ኣብ'ቶም ዕድሜኻ 18 ዓመት ቅድሚ ምምላኡ ዘለዉ ኣዋርሕ ብዛዕባ መጻኢኻ ብዝግባእ ሕሰብ። ሕጋዊ/ት መጕዚትካን ተቘጻጸርትኻን ብዛዕባ ኵነታትካ ዝሓሸ ውሳኔ ንኽትወስድ ክሕግዙኻ እዮም።

ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስመልአ ዝቕየሩ ነገራት ኣየኖት እዮም? እዚ ኣብ ኵነታት መስርሕ ነባርነትካ እውን ዝምርኮስ ጉዳይ እዩ፦

  • ከም ሕጋዊ ኵነተ-ነባርነትዘይብሉ ሰብ ኢኻ ክትቍጸር። ዝዀነ ኰይኑ፡ ዕድሜኻ 18 ዓመት ክሳብ ዝመልእ ኣብ ቤልጂዩም ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እውን ፍቓድ ነባርነት እንተዘይብልካ ወይ ዕቝባንምርካብ መመልከቲ እንተዘይኣቕሪብካ። ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስመልአ፡ እዚ ነገር እዚ ይቕየር። ካብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትወጽእ ክትግደድ ኢኻ፤ ኣብ ቤልጂዩም ክትጸንሕ ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ።
  • ኣብ ቤልጂዩም ንዘለካ ኵነተ-ነባርነት ብዝምልከት ውሳኤ ኣይተዋህበካን። ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስመልአ፡ ክንዲ ሰብ ዝኣኸሉ ሰባት ናብ ዝቕመጥዎ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትግዕዝ ኢኻ። ዝበዝሕ እዋን፡ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ክትነብረሉ እትጸንሕ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እዩ ዝኸውን። ደጊም ብመሰረት ሕጋዊ መስርሕ ናይ'ቶም ክንዲ ሰብ ዝኣኸሉ ሓተትቲ ዕቝባ ቅዩድ ኢኻ። ዕድሜኻ 18 ዓመት ስለመልአ፡ ናትካ ሕጋዊ/ት መጕዚት ብዛዕባኻ ዝመጸ ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ኣይ(ት)ስከምን እዩ/ያ።

  • ከም ዕቑብ ስደተኛ ተቐባልነት ትረክብ ወይ ድማ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባይጸድቀልካ። ዕድሜኻ 18 ዓመት ዝመልአ ሰብ ኴንካ፡ ፍቓድ ነባርነት ምስዝህልወካ፡ ንበይንኻ ክትነብር ይፍቀደልካ እዩ። ማሕበራዊ ሓገዝ (ናይ መነባብሮ ደሞዝ) ካብ ትካል CPAS/OCMWክትረክብ ኢኻ። ሕጋዊ/ት መጕዚትካ ብዛዕባኻ ዝመጽእ እዋን፡ ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ኣይ(ት)ስከምን እዩ/ያ። ንበይንኻ ምንባር ቀሊል ጉዳይ ኣይኰነን። ጸገማት ወይ ሕቶታት ምስዝህልወካ፡ ካብ ተቛጻጻሪኻ ሓገዝ ሕተት።