መስርሕ ጠለብ ፍሉይ መንበሪ ፍቓድ፡ ነቶም መሰነይታ ንዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት

ኣብ ርእሲ መስርሕ ምቕራብ ሕቶ ዕቝባ፡ መሰነታ ንዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት ዘገልግል ፍሉይ መስርሕ ፍቓድ ነባርነት እውን ኣሎ። እዚ መስርሕ እዚ ንዓኹም ዝሓይሽ ኣማራጺ እንተዀይኑ፡ ምስ ሕጋዊ/ት መጕዚትኩም ተማኸሩ።

ፍሉይ መስርሕ ፍቓድ ነባርነት ከመይ ዝኣመሰለ እዩ?

  • ናትካ ሕጋዊ/ት መጕዚት ንመስርሕ ጠለብ ፍሉይ መንበሪ ፍቓድ ብዝምልከት መመልከቲ የ/ተቕርብ። ሕጋዊ መጕዚትካ ብዛዕባ ናይ መበቆል ሃገርካ፡ ስድራ-ቤትካን መንነት ዘለልዩ ሰነዳትካን ክሓተካ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ብግቡእ ክትምልሱ ፈትን።
  • ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ብሕጋዊ/ት መጕዚትካ ተሰኒኻ ኣብ ብራስለስ ቃለ-መሕትት ንኽካየደልካ ክዕድመካ እዩ። ኣብ ገሊኡ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ብዛዕባ ኣብ ቤልጂዩም ዘለካ ሃለዋት ዝያዳ መብርሂ ክህቡ ዝኽእሉ ፈተውትኻ ወይ ፈለጥትኻ እውን ይዕድም እዩ።
  • ኣብ'ዚ ናይ ቃለ-መሕትት እዋን እዚ ብዛዕባ ኵነታትካ ኰነ ንመጻኢ ብዝምልከት ብዛዕባ ዘለዉኻ ድልየታት ብናጽነት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ'ዚ ናይ ቃለ-መሕትት ቈጸራ፡ ሕጋዊ/ት መጕዚትን ዝርርብ ዝትርጉም ክኢላ ቋንቋን ይሳተፉ እዮም። እቲ ዝውክለካ በዓል-ሞያ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ እውን ኣብኡ ብኣካል ክህሉ ይኽእል እዩ።

ውሳኔ ብዛዕባ ፍሉይ መስርሕ ፍቓድ ነባርነት

እዚ ናይ ቃለ-መሕትት እዋን ምስተዛዘመ፡ ምስ ኵነታትካ ዝኸይድ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ሃሰው ክንብል ኢና። ሰለስተ ዕድላት እዮም ዘለዉኻ።

  • ኣብ'ቲ ወለድኻ ዘለውዎ ሃገር ምስኣቶም ዳግማይ ብምርኻብ ኣብኡ ክትነብር።
  • ናብ ናይ መበቆል ሃገርካ ወይ ክትጸንሓላ ናብ እትኽእል ሳልሰይቲ ሃገር ክትምለስ። {sp}ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን{sp} ንኽትምለስ ወግዓዊ ትእዛዝ ይህበካ።
  • ኵነተ-ሕጋዊ ነባርነት ኣብ ቤልጂዩም

ኵነተ-ነባርነት ኣብ ቤልጂዩም

ድሕሪ እዚ መስርሕ እዚ ምስልሳሉ ኣብ ቤልጂዩም ንኽትጸንሕ ምስዝፍቀደልካ፡ ን 1 ዓመት ዘገልግል ፍቓድ ነባርነት ክወሃበካ እዩ። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኣብ ቤልጂዩም መነባብሮ ክትጅምር ይግባእ፦ ትምህርቲ፡ መጽናዕቲ ቋንቋ፡ ዓርከ-መሓዛ ምጥራይ ወዘተ።

ዕድመ ኣገልግሎት ናይ ፍቓድ ነባርነትካ ንኸብቅዕ ሓደ ወርሒ ክተርፎ እንከሎ፡ ሕጋዊ መጕዚትካ ሓድሽ መመልከቲ የቕርብን ብዛዕባ ኣብ ቤልጂዩም ዝጀመርካዮ ሓድሽ መነባብሮ ጸብጻብ የቕርብን (ብዛዕባ ኵነታት ስድራ-ቤትካ፡ ትምህርትኻ፡ ዘለካ ምልከት ቋንቋ)።

ድሕሪ 3 ዓመታት (ቀዋሚ) ፍቓድ ነባርነት ናይ ቤልጂዩም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ የድልየካ ዶ፧

ነዚ ፍሉይ ፍቓድ ነባርነት ብዝምልከት፡ ሕጋዊ መጕዚትካ ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሓበሬታ ክርከብ ይኽእል እዩ።

ን ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽንተወከስ።