ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ - ውሑስ ቦታ

ናብ ቤልጅዩም ከም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናትእንተ ኣቲኹም፡ መንግስቲ ውሑስ ሃዋህው ኣብ ዘለዎ ቦታ ከምእትጸንሑ ክገብር እዩ። ፖሊስ ወይ ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ ናብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክወስደኩም እዩ። ዋላ እውን ዕቝባንኽወሃበኩም ዘመልከትኩም ኣይትኹኑ፡ ኣብ ውሑስ መጽንሒ ቦታ ንኽትቅመጡ መሰል ኣለኩም።

ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ (ናይ ሓጺር እዋን መጽንሒ)

ናብ ቤልጂዩም ድሕሪ ምእታውካ፡ ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ ወይ ፖሊስ፡ ከም መበገሲ መጽንሒ ናብ ዘገልግል ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክወስደካ እዩ። ኣብኡ ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምጽናሕካ (ንኣስታት 30 መዓልትታት) ናብ ካልእ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትግዕዝ ኢኻ።

  • ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ መግቢ፡ ክዳንን መጽለልን ክትረኽበሉ እትኽእል ውሑስ/ዕቑብ ቦታ እዩ።
  • ኣብኡ ምስ ካልኦት ከማኻ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ክትቅመጥ ኢኻ።
  • እዚ ቦታ እዚ ህዱእን ሰላም ዘለዎን እዩ።
  • ኣብኡ ዝርከቡ ኣባላት ጕጅለ ተቛጻጸርትን ክኢላታት ስነ-ልቦናን ንኽሕግዙኻ ድሉዋት እዮም።
  • ሕጋዊ/ት መጕዚት ክ(ት)ምደበልካ እዩ/ያ።

ዋላ እውን ዕቝባ ንኽወሃበካ ዘመልከትካ ሰብ ኣይትኹን፡ ከም ትሕቲ-ዕድመ ሰብ መጠን ክትቅመጠሉ እትእኽል ውሑስ መጽንሒ ቦታ ንኽትወሃብ መሰል ኣለካ። ኣብ ጐደና በይንኻ ኰለል ክትብል ተመራጺ ኣይኰነን።

ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ - ናይ ነዊሕ እዋን መጽንሒ

ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እናተቐመጥካ፡ ሕጋዊ መጕዚትካን ተቘጻጸርትኻን ዝሓሸ ዝበልዎ ንነዊሕ እዋን ክትቅመጠሉ እትኽእሉ መዕቈቢ ቦታ ከናድዩልካ እዮም። ከም ልሙድ፡ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ናይ ፌዳሲል ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ህይወት ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ከመይ ይመስል?

  • ምስ ካልኦት ነኣሽቱ መዛኑኻ ጕጅለኣዊ ማሕበራዊ ህይወት እናመራሕካ ኢኻ ክትቅመጥ።
  • ኣባለት ጕጅለ ተቘጻጸርቲ ንኽሕግዙኻ ድሉዋት እዮም
  • ዕድሜኻ ትሕቲ 15 ዓመት ምስዝኸውን ወይ ፍሉይ/ተኣፋፊ ጸገም ምስዝህልወካ፡ ተወሳኺ ኣተኣላልያን ቅለሳዊ ምኽርን ክትረክብ ኢኻ።
  • ናብ ቤት-ትምህርቲ ብስሩዕ ክትመላለስን ቋንቋ ከተጽንዕን ኢኻ
  • ኣብ ስፖርታዊ ኰነ ካልኦት ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ
  • ሕጋዊ መጕዚትካ ክበጽሓካ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳይ ትምህርትኻን ናይ ሕቶ ዕቝባ መስርሕካን ክሕግዘካ እዩ።

ንዓኻ ዝኸውን ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ባዕልኻ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ተቘጻጸርትኻ ግን ንኵነታትካን ድልየታትካን ኣብ ግምት ከእትውዎም እዮም። 

ብዛዕባ ጉዳይ ትምህርትኻ ኰነ ናጻ ግዜኻ ዝመጸ እንታይ ክትገብር ከምእትደሊ ንተቘጻጸርትኻ ሓብር።

ብዛዕባ እቲ ዘለኻዮ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ሕጉስ ዶ ኣይኰንካን?

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምቕማጥ ኩሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ድሩት ዝዀነ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ምቕማጥካ።  እዚ ኵነታት እዚ ጠንቂ ጸቕጢ ኣእምሮን ግርጭትን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዕረፍቲ ዶ የድልየካ ኣሎ ወይ ጸገም ኣለካ ዶ? ብዛዕባ እዚ ምስ ተቘጻጻሪኻ ተዛራረብ። ተቘጻጻሪኻ ናብ ደገ ወጺእካ እትጸንሓሉ ግዜ ንኽፈልየልካ ክሓስብ ይኽእል እዩ። ካብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወጺእካ ንሒደት መዓልትታት ክትዛነ/ከተዕርፍ ኢኻ። ብዛዕባ ጸገማትካ ምስ ካልኦት ተቛጻጸርቲ ንኽትዛራረብ ዕድል ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ኢኻ ክትጸንሕ?

ነቲ ዘቕረብካዮ መመልከቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት ውሳኔ ክሳብ ዝወሃበካ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትቅመጥ ኢኻ (ንነዊሕ እዋን)።

  • ኣብ ሞንጎ፡ ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስዝመልእ፡ ክንዲ ሰብ ዝኣኸሉ ሰባት ናብ ዝቕመጥዎ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትግዕዝ ኢኻ።
  • እወታዊ ውሳኔ ምስዝወሃበካ፡ ሓገዝ ዝግበረሉ ውልቃዊ መነባብሮ ንኽትመርሕ ተቐባልነት ክህልወካ ዝከኣል እዩ።
  • ኣሉታዊ ውሳኔ ምስዝወሃበካ እሞ ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ምዝኸውን፡ ካብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትወጽእ ክትግደድ ኢኻ።