ፈትሹ/ድለዩ
ጽግዕተኛታት
ጠለባት ህይወቶም ኣባኹም ዝምርኰስ ሰባት። ጽግዕተኛታት ደቂ ወይ ድማ ካልኦ ሰባት ክህልዉኹም ዝከኣል እዩ (ንኣብነት፡ ወለዲ)።
ብኣካል ዘይምህላው
ኣብ ናይ ውልቁ ኣድራሻ ዝቕመጥ ደኣ'ምበር ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይጸንሕ ኣመልከቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ።
ናይ OV/SP ቍጽሪ
ቍጽሪ ህዝባዊ ድሕነት። ናይ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ቍጽሪ ምዝገባ (7 ኣሃዛት ዝሓዘ)። ነዚ ቍጽሪ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ'ቲ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተዋህበኩም ጥብቆ ወረቐት ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
ጾታ/ጀንደር
ጀንደር ንማሕበራዊ ጾታ ናይ ሓደ ሰብ ዝገልጽ ኣምር እዩ። ከም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ከነርእዮ ትጽቢት ዝግበረሉ ወይ ሰባት ካባና ዝጽበይዎ ባህርይ። ጾታ/ጀንደር ምስ ግዜ፡ ቦታን ባህልን ክቀያየር ዝኽእል እዩ። ጾታ ሓደ ቀዋሚ ወይ ዘይቅየር ነገር ኣይኰነን። ተቓያያሪነትን ተዓጻጻፊነትን ዘለዎ እዩ።
ጾታዊ መለለዪ
ጾታዊ መለለዪ ነቲ ብውሽጥና ዝመስለና ነገር ዝገልጽ እዩ። እቲ ብውሽጥና ዝመስለና ነገር፡ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቀ'ንስትዮ ወይ ካብ ክልቲኣቱ ምድብ ወጻኢ ምዃንና ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ-ርእሱ ወዲ-ተባዕታይን ጓለ'ንስተይትን ወይ ካብ ክልቲኡ ወጻኢ ዝዀነ ጾታዊ መለለዪ ዘለዎ ምዃኑ ምዝስምዖ፡ ነዚ ዘይ-ድርብ ጾታዊኢልና ንጽውዖ። ሓደ ሰብ ናይ ወዲ-ተባዕታይን ጓለ'ንስተይትን ባህርያት ሒዙ ምስዝውለድ እሞ ዝንባለኡ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ጓለ'ንስተይ ምስዝኸውን፡ ነዚ ጉስየ-ጾታዊተባሂሉ ይጽዋዕ። ጾታዊ መለለዪኦም ዝቐየሩ ሰባት፡ ሒዞሞ ዝተወልዱ ጾታ ምስ ውሽጣዊ ኣረኣእያኦም፡ ባህርያቶምን ስምዒቶምን ዘይቃዶ ኰይኑ ይረኽብዎ። ጾታዊ መለለዪ ምስ ግዜ ክቀያየር ዝኽእል እውን'ዩ። እዚ ድማ ተቓያያሪነት ናይ ጾታዊ መለለዪ ይበሃል።
ዕቝባ
ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት/ዕቝባ። ንሓደ ካብ ሃገሩ ከም ዕቑብ ስደተኛ ዝወጸ ሰብ፡ ብኻልእ ሃገር ዝወሃቦ ውሕስነት።
ገንዘባዊ ደገፍ
ገንዘብ ብምሃብ ዝገብር ዓይነት ሓገዝ። ንኣብነት፡ ጥጡሕ መነባብሮ ንኽትመርሑ እኹል ኣታዊ ምስዘይህልወኩም፡ ትካል CPAS/OCMW ንመነባብሮኹም ዝኸውን ደሞዝ ምክኸፍለኩም ክውስን ይኽእል እዩ።
ማእከል ማእሰርቲ
ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣመልከትቲ ኰኑ ካልኦት ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ሰባት፡ ክሳብ ካብ ሃገር ዝወጹ ተኣሲሮም ዝጸንሑሉ ማእከል።
ምምሕዳር ከተማ
ምምሕዳር ከተማ፡ ትካል CPAS/OCMW ከምኡ`ውን ፖሊስ፡ ብሓባር፡ ከባብያዊ ምምሕዳር የቑሙ። ብምኽንያት ምምሕዳራዊ ጉዳያት ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም፦ ናይ ክብሪ መዝገብ ልደት ንኽትከፍቱ ወይ ውዕል መርዓ ከተመዝግቡ፡ ወይ ድማ ከም ነበርቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ንኽትምዝገቡ ወዘተ።
ኣውራጃዊ ቤት-ምኽሪ
ኣብ ኣውራጃዊ ቤት-ምኽሪ፡ ኣንጻር ውሳኔታት ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት (RvV/CCE) ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣውራጃዊ ቤት-ምኽሪ፡ ትካል RvV/CCE ብመሰረት ሕጋዊ ግዴታታቱ ተቐዪዱ ውሳኔ ከምዝሃበን ከምዘይሃበን ጥራይ እዩ ዝፍትሽ። ትሕዝቶ ጉዳይ ብዓሚቑ ኣይምርመርን እዩ።
ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንጉዳይኩም ናብ ትካል CGVS/CGRA የመሓላልፎ። ድሕር`ዚ፡ ትካል CGVS/CGRA ቃለ-መሕትት ንኸካይደልኩም ዕድመ ይልእከልኩም።
መሰል ነባርነት እኳ እንተዘይጸደቑልኩም፡ ብሰንኪ ፍሉያት ምኽንያታት ግን ናብ መበቆል ሃገርኩም ክትምለሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ፍቓድ ነባርነት ንኽጸድቀልኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግዝያዊ ሓልዮት ሕክምናዊ ፍቓድ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ እዩ።
ብዕቱብ ሓሚምኩም ዘለኹም፡ ሕማምኩም ድማ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክፍወስ ዘይከኣል እዩ። ኣብ ቤልጅዩም ንምጽናሕ፡ ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ሕክምናዊ ፍቓድ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግዝያዊ ሓልዮት ሕክምናዊ ፍቓድ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ እዩ።
ደለይቲ ዕቚባ እንተድኣ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ሓጊዞሞም፡ ገለ ገንዘብ ክኽፈሉ ይኽእሉ እዩ።
ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ፡እታ ነቲ ኣህጉራዊ ዕቝባ/ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ምምስራሕ/ምስላጥ ሓላፍነት እትስከም ሃገር ቤልጂዩም ምዃናን ዘይምዃናን ክፍትሽ እዩ። እዚ `ሕጊ ዱብሊን` ተባሂሉ ይጽዋዕ።
መሰነይታ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት እንተዄንኩም፡ እቲ እተቕርብዎ መመልከቲ ብመሰረት ሕጋዊ ዓንቀጻት ናይ ዝምልከታ ሃገር ኤውሮጳ (ሕጊ ዳብሊን) እዩ ዝረአ።
ኣብ በልጁም ድማ ዑቕባ ብምሕታትኩም፡ ኣብ ናይ በልጆም ግዝኣት ክትነብሩ ኢኹም ትሓትቱ ዘለኹም፡ እዚ ድማ ምኽንያቱ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ንሂወትኩም ስግኣት ስለዘለኩም እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት እንተድኣ ረኺብኩምን ኣብ ዋሎኒያ ድዩስ ኣብ ብራስልስ ክትሰርሑ ምስ እትደልዩን፡ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐትኩ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ? ምስ ወረቐት ምስክርኩም ተመጣጣንነት ናይ ደረጃ ዘለዎ ወረቐት ምስክር፡ ካብ ፈደሬሽን ዋሎኒያ-ብራስልስ ክትሓቱ ከድልየኩም እዩ።
ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ ቤልጅዩም ዉዑይ ኩነታት ኣየር እዩ ዘሎ፣ ሰባት ከኣ ናብ ማይ ብምእታው ነብሶም ከዝሕሉ/ከሐድሱ ይፍትኑ። ኵሉ ግዜ ኣብቲ ሓላው ህይወት/ሓምቢሱ ሰባት ዘድሕን ክኢላ ዘለዎ ማይ ጥራይ ሓምብሱ፣ ሓምቢስኩም ዘይትኽእሉ እንተድኣ ኰይንኩም ግና ናብቲ ማይ ገጽኩም ኣይትኺዱ።
ንዕቁባ [ 1]ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ምምዝጋብ ሕቶ ወይ ምልክታ እዩ።