ፈትሹ/ድለዩ

ክሽቦ/ምኽንሻብ

ክሽቦ/ምኽንሻብ ዝበሃል፡ ዝዀነ ይኹን ሕክምናዊ ኣድላይነት እንከይሃለዎ፡ ዝዀነ ይኹን ክፋል ግዳማዊ ክፋል ርሕሚ ናይ ጓለ`ንስተይቲ ክኽላእ/ክእለ እንከሎ እዩ።

ካብ ክሊ መሬት ቤልጂዩም ንምውጻእ ብዝምልከት ዝወሃብ ሕጋዊ ትእዛዝ (BGV/OQT)

ኣብ ቤልጂዩም ስሩዕ ብዘይኰነ ኣገባብ ምስእትጸንሑ፡ ካብ ክሊ መሬት ቤልጂዩም ንኽትወጹ ሕጋዊ ትእዛዝ (BGV/OQT) ክወሃበኩም ዝከኣል እዩ። BGV/OQT እንተተዋሂቡኩም፡ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ድዩስ ብሕጋዊ መገዲ ንኽትነብሩላ መሰል ናብ ዝሃበትኩም ካልእ ሃገር ንምኻድ፡ ካብ ቤልጂዩም ክትወጹ ይግባእ። ካብ`ዛ ሃገር ኣብ ውሽጢ ውሱን እዋን ክትወጹ ግዴታ ኣለኩም። ድሕር`ዚ እዋን እዚ ግን ብኣስገዳድ ኢኹም ክትወጹ።

መስርሕ ሕቶ ዕቝባ

ንመመልከቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ዝምልከት መስርሕ። ኵላቶም ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት መመልከቲ ከተቕርቡ እንከለኹም እትሓልፍዎም መስርሓት፦ ቅጥዒ ምምላእ፡ ቃለ-መሕት(ታ)ት፡ መልሲ ምጽባይ።

ሰራሕተኛ ዕቝባ

ንጉዳይኩም ዝከታተልን ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ዘዘራርበኩምን ኣባል ትካል CGVS/CGRA ዝዀነ ሰራሕተኛ።

ይግባይ

'ይግባይ ምባል' ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝተዋህቦ ሕጋዊ ውሳኔ ግቡእ ተቓውሞ ከስምዕ እንከሎ ማለት እዩ፤ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ውሳኔ ናይ ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ዕቝባ (CGVS/CGRA ወይ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን)። ብዙሓት ሓታትቲ ዕቝባ ኣብ ቤልጂዩም ክቕጽሉ ከምዘይክእሉ ዝጠቅስ ውሳኔ ምስተዋህቦም ከምኡ ይገብሩ እዮም።

ነባሪ ፍታሕ

ፍሉይ መስርሕ ናይ ጉዳይ ነባርነት። እዚ ብዘይ መሰነይታ ንዝመጹ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ዝምልከት መስርሕ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት መስርሓት ጐድኒ ጐድኒ ንክኸይድ ክበጋገስ ዝከኣል እዩ። ምስ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ሕጋዊ/ት መጕዚትኩምን ብምዃን ንመጻኢ ህይወትኩም ብዝምልከት ፍታሕ ተናድዩ። እቲ ፍታሕ ከም'ዚ ክኸውን ይኽእል፦ ኣብ'ታ ንሳቶም ብሕጋዊ መገዲ ዝቕመጡላ ሃገር ምስ ወለድኹም ዳግማይ ንኽትራኸቡ፣ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ድዩስ ብሕጋዊ መገዲ ክትቅመጡላ ናብ እትኽእሉ ካልእ ሃገር ክትምለሱ፣ ኣብ ቤልጂዩም ክትነብሩ።

ዓውደ-ኣዋርሕ ምእካብ ጓሓፍ

ጓሓፍኩም መዓስ ከምዝእከብ ዝሕብር ሰሌዳ ግዜ ዘለዎ ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ ምምሕዳር ከተማ። ንኣብነት፦ ኣብ ሰኑይ - ወረቓቕትን ባኮታትን ፤ ኣብ ረቡዕ፦ PMD.

ኤሌክትሮኒካዊ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ውልቀ-ሰብ (ታሴራ)

ዜጋታት ናይ ሃገረ-ቤልጂዩም እንተዘይኴንኩም እሞ ኣብ ቤልጂዩም ንኽትቅመጡ ግን መሰል ምስዝህልወኩም፡ ንወጻእተኛታት ዘገልግል ኤሌክትሮኒካዊ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ክወሃበኩም እዩ። 

ሰማያዊ ፓስፖርት

ናብ ወጻኢ ክትገሹ እንተዄንኩም፡ ብቑዕ ኤሌክትሮኒካዊ ካርድ ነባርነትን ሰነድ መገሻን የድልየኩም። ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ከም ዝረኸብኩም ሰባት መጠን ኣብ ናይ መበቆል ሃገኩም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኬድኩም ፓስፖርት ንኽወሃበኩም ክትሓቱ ዝከኣል ኣይኰነን። ናብ ምምሕዳር ከተማ ቀሪብኩም ንዕቑባት ስደተኛታት ዝኸውን ፍሉይ ሰነድ መገሻ ንኽወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ማእከላት ቅለሳዊ ምኽሪ ናይ ተማሃሮ (CLB / PMS)

ሓንቲ ማእከል ቅለሳዊ ምኽሪ ናይ ተማሃሮ፡ ጕጅለ ዶክተራት፡ ነርሳት፡ ክኢላታት ስነ-ልቦና፡ ክኢላታት ስነ-ምምህርናን ኣሳለጥቲ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘጠቓለለት እያ። ነፍሲወከፍ ቤት-ትምህርቲ ምስ CLB / PMS ሓቢራ ትሰርሕ።

CLB / PMS ኣብ መዳይ ሕክምናዊ ቍጽጽር ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓላፍነት ይስከም እኳ እንተዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ከም ወለዲ ወይ ከም ተማሃሮ መጠን፡ ጸገማት ምስትምሃር፡ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ህይወትን ኣብ ምፍታሕ ናጻ ሓገዝ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ዝዀነ ይኹን ሕቶ ምስዝህልወኩም ብመገዲ ቤት-ትምህርቲ ወይ ብቐጥታ ናብ CLB / PMS ከተቕርብዎ ትኽእሉ ኢኹም።