ፖሊስ

ኣብ ቤልጂዩም፡ ፖሊስ ጸጥታን ስርዓትን የረጋግጹ። ተቐማጦ ሓገዝ እንተደልዮም፡ ኩሉግዜ ፖሊስ ክጽውዑ ይኽእሉ።

ኣባላት ፖሊስ

ዕማማት ፖሊስ

ፖሊስ ነዞም ዝስዕቡ ወሰንቲ ዕማማት ይፍጽሙ፥

  • ምርግጋጽ ጸጥታን ምቊጽጻር ትራፊክን
  • ምቅላስን ምግታእን ገበን
  • ንህዝቢ ሓገዝ ምሃብ
  • ኵላቶም ነበርቲ (ቤልጂዩማውያንን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን) ሕጊ የኽብሩ ምህላዎም ምርግጋጽ

ንህጹጽ ሓገዝ ዝድለዩ ቍጽርታት ተሌፎን

ህጹጽ ናይ ፖሊስ ሓገዝ እንተደሊኹም፡ ናብቲ ናጻ ዝኾነ ናይ ህጹጽ እዋን ቊጽሪ ተሌፎን 101ደውሉ።

ኣምቡላንስ ወይ ኣገልግሎት ባርዕ ብህጹጽ የድልየኩም ድዩ፧ ናብ 112ደውሉ።

  • ምስ ፖሊስ ክትዘራረቡ ወይ ገለ ነገር ክትሕብሩ ትደልዩ ዲኹም፧ ናብ ፖሊስ ደውሉ፡ ወይ ናብቲ ዝቐረበ መደበር ፖሊስ ኪዱ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ምምሕዳር ከተማ መደበር ፖሊስ ኣሎ።

ንፖሊስ ኣይትፍርሕዎም።

ሕጊ ተኽብሩ እንተኾይንኩም፡ ንፖሊስ ምፍራሕ ኣየድልየኩምን እዩ።

  • መኮንናት ፖሊስ ብፍጹም ሱቕ ኢሎም ኣይክኣስርኹምን ወይ ኣይክቕይዱኽምን እዮም።
  • ሓገዝ ንምሕታት ኩሉግዜ ኣብ ጎደና ክትቀርብዎም ትኽእሉ ኢኹም።
  • እንተተሰሪቕኩም፡ መጒዳእቲ ወይ መጥቃዕቲ እንተበጺሕኩም፡ ናብ ፖሊስ ኪዱ።
  • እቶም መኮንናት ፖሊስ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ምርካብ ክሕግዝኹም እዮም።