መዝገብ ዝርዝር ትርጉም ቃላት

ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት

ቤልጂዩም ዝርዝር ናይ'ተን ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት ኣዳልያ ኣላ። ብዛዕብ ኣጉዳይ ናይ'ቶም ካብ'ዘን ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብዝምልከት፡ ምስ CGVS/CGRA ኰነ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝስርሓሉ ፍሉይ (ናይ ኣቋራጭ) ኣገባብ ኣሎ። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ከም ውሑሳት ዝዀና ናይ መበቆል ሃገራት ዝውሰዳ እዘን ቀጺለን ዝጥቀሳ እየን፦ ኣልባኒያ፡ ቦዝኒያ-ሄርዞጎቪና፡ FYROM፡ ኮሶቮ፡ ሞንተኔግሮ፡ ሰርቢያ፡ ህንድን ጂዮርጂያን።



.