ቀይዲ

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ከምኡ`ውን ንገለ ቅድመ-ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ትካላት-መዚ ናይ ሃገረ-ቤልጂዩም ንወጻኣተኛታት ኣብ ማእከል መቐየዲ ከእትዋኦም ይኽእላ እየን።

መን ክቕየድ ይኽእል፧

  1. ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት

እቲ Immigration Office (ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን) ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክቕይድ ይኽእል።

ነቲ ካብ ልኡላዊ ክሊ መሬት ናይ ምውጻእ ትእዛዝ እንተዘይኣኽቢርኩም፡ ብሓይሊ ካብ ቤልጂዩም ከምእትወጹ ክግበር ዝከኣል'ዩ። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ Immigration Office (ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን) ናብ ሓደ ማእከል ቀይዲ ወይ ናብ ናይ መንበሪ ኣሃዱ ከሰጋግረኩም እዩ።

ምቕያድ - ኣብ ግዜ መስርሕ

 

2. መስርሕ እናቐጸለ እንከሎ

ኣብ እዋን'ቲ ሕጋዊ ኣካይዳ ዕቚባ፡ ሓደ ናይ ወጻኢ ዜጋ ክቕየድ ይኽእል'ዩ፥

  • ምእንቲ መንነቶም ወይ ዜግነቶም ክረጋገጽ ክኽእል፡
  • ስግኣተ-ሓደጋ ናይ ራሕሪሕካ ምህዳም (ካብ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግሬሽን ምህዳም) ኣብ ዝፍጠረሉ።
  • እቲ ኣመልካቲ ድሮ ንዝተመደበ ብሓይሊ ምምላስ ተቐይዱ/ዳ እንተልዩ ነቲ ብሓይሊ ምምላስ ንምድንጓይ ብዝዕለመ ጥራይ ሓድሽ መመልከቲ እንተኣእትዩ፡
  • እንተድኣ ምሕላው ሃገራዊ ጸጥታ ወይ ህዝባዊ ስርዓት ከምኡ ምግባር ዝጠልብ ኮይኑ።

ሓደ ናይ ወጻኢ ዜጋ ንኽንደይ ዝኣክል ንውሓት ግዜ ክቕየድ ይኽእል፧

  • እቲ ቀይዲ ን2 ኣዋርሕ ይጸንሕ።
  • እዞም ክልተ ኣዋርሕ እዚኦም ናብ5 ኣዋርሕ ክናውሑ ይኽእሉ። ኣብ ትሕቲ ውሱናት ቅድመ-ኲነታት - ማለት መስርግ ግዱድ ምምላስ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝከኣል እተኾይኑ።
  • እንተድኣ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ጸጥታን ህዝባዊ ስርዓትን ሓደጋ ኣንጸላልዩ፡ እቲ ንውሓት ግዜ ናብ8 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል።
  • ንፍሉይ ሕጋዊ ኣካይዳታት (Dublin (ደብሊን)፡ ቀይዲ ኣብቲ ዶብ፡ ወዘተ) እቲ ናይ ቀይዲ ንውሓት ግዜ ዝተፈልየ ኣዩ።