ፈትሹ/ድለዩ
ቤት-ጽሕፈት ኤሚግሬሽን ነቲ ን ኣህጉራዊ ሓለዋዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ይምዝግቦ።
ኣብ ቤልጅዩም፡ ኣብ ግዜኻ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ክትጽበዩ ኣለኩም እንተኾይኑ፡ ቤልጅዩማውያን ተራኹም ክትጽበዩ ትጽቢት ይገብሩልኩም።
እቲ ንኣህጉራዊ ሓለዋ ብዝምልከት ዘቕረብኩሞ መመልከቲ እንተተነጺጉ፡ ካብ ክሊ ልኡላዊ መሬት ቤልጂዩም ንኽትወጹ ሕጋዊ ትእዛዝ ክወሃበኩም እዩ። ካብ ቤልጂዩም ክትወጹ ይግባእ።
ኣብ በልጅዩም፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ስነ-ሓሳባትን ኣለዉ። እቲ ዝዓበየ ሃይማኖት ክርስትና እዩ። ሃይማኖታውያን ዘይኮኑ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣለዉ።
መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣይትቕመጡን እንተሃሊኹም፡ ዝዀነ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይክወሃበኩምን እዩ። ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም።
ኣብ ቤልጂዩም ኣቦ ይኹን ኣደ ዘይብልኩም ወጻእተኛታት ትሕዝቲ-ዕድመ መእሰያት ወይ ህጻናት ምስእትዀኑ፡ ሕጋዊ/ት መጕዚትክ(ት)ምደበልኩም እዩ/ያ።
ካብ ሃገርኪ ሃዲምኪ ዘለኺ ግዳይ ናይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ከይትኾኒ ስለዝፈራህኪ እዩ። ኣብ በልጅም ዓለም-ለኻዊ ሓለዋ ንምርካብ ክተመልክቲ ትኽእሊ።
ቤልጅዩም ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽውሃበን ንዘመልክታ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ፍሉይ ኣቓልቦ ትህብ። ምስ CGVS/CGRA ኣብ ዝካየድ ቃለ-መሕትት፡ ንስኻትክን ከም ደቂ-ኣንስትዮ መጠን ጸጊሙክን ብዛዕባ ዝሃደምክናሉ ኵነታት ክትዛረባ ኣገዳሲ እዩ።