ፈትሹ/ድለዩ
ሕጋዊ/ት መጕዚት
ብመሰረት ውሳኔ ቤት-ፍርዲ ወይ ትካል ከባብያዊ ምምሕዳር፡ ሓላፍነት ምእላይ ናይ ትሕቲ-ዕድመ ዝዀነ መንእሰይ ወይ ህጻን ዝተሰከመ/ት ሰብ። ከም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት መጠን፡ ንምምሕዳራዊ መገዲ ሕጋዊ/ት መጕዚት ክ(ት)ምደበልኩም እዩ/ያ። ሕጋዊ/ት መጕዚት ኣብ ዝተፈላለዩ ዕማማትኩም/ክን ክተሓጋገዘኩም/ክትተሓጋገዘክን እዩ/ያ።
መዕበያዊት ስድራ-ቤት
መዕበያ ሓላፍነት ወለዲ ክበሃል እንከሎ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ወሲድካ - ውላድ ናይ ካልእ ሰብ ንዝዀነ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ወይ ህጻን ምእላይ ማለት እዩ። እዚ ክዀነሉ ዝኽእል፡ ወለዲ ናይቲ ዝምልከቶ ህጻን (ንግዚኡ) ባዕላቶም ንውላዶም ክኣልዩ ዘይክእሉ ምስዝዀኑ እዩ።
ትሕቲ-ዕድመ ዝዀነ ሰብ
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ/ኣ ሰብ
ኣብ ክሊ ቍጠባዊ ዞባ ኤውሮጳ እቱዋት ዝዀና ሃገራት
- በልጅየም
- ቡልጋሪያ
- ቆጵሮስ
- ዴንማርክ
- ጀርመን
- ኢስቶንያ
- ፊንላንድ
- ፈረንሳ
- ግሪኽ
- ሃንጋሪ
- ኣየርላንድ
- ኣይስላንድ
- ኢጣልያ
- ክሮኤሽያ
- ላትቪያ
- ሊችተንስታይን
- ሊትዋኒያ
- ላግዘምበርግ
- ማልታ
- ኔዘርላንድስ
- ነርወይ
- ኦስትሪያ
- ፖላንድ
- ፖርቱጋል
- ሩማኒያ
- ስሎቬንያ
- ስሎቫኪያ
- ስፐይን
- ቸክ ሪፓብሊክ
- ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ፡ ስኮትላንድ፡ ወይልስ፡ ከምኡ'ውን ሰሜን ኣየርላንድ)
- ሽወደን
መንበሪ ቦታ
እቲ ቀንዲ ዝበሃል መንበሪ ቦታ፡ ሓንቲ ስድራ-ቤት ወይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ንኹሉ ሳዕ ዝነብሩሉ ቦታ እዩ። ስድራ-ቤት ምስኣ ናይ ስጋ ዝምድና ዘለዎም (ኣባላት ቤተ-ሰብ) ከምኡ'ውን ዘይብሎም (ንኣብነት - ፈተውቲ፡ መናብርቲ ወዘተ) ሰባት ከተጸግዕ ዝከኣል እዩ
ኣገልግሎታት ጉዳይ ዕቝባ
ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (DVZ/OE), ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኮሚሽነር ዕቑባት ስደተኛታትን ሃገር-ኣልቦ ሰባትን (CGVS/CGRA)፡ ቤት-ምኽሪ ምጕት ኣብ ጉዳይ ሕጊ መጻእተኛታት (RvV/CCE)።
ናይ ሓባር መደቀሲ
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ብሓባር ዝድቅሱሉን ዝነብሩሉን ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ቦታ ኰይኑ፡ ተቘጻጸርቲ ብኣካል ሃልዮም ግቡእ ዕማማቶም ዘሰላስሉሉ ቦታ።
ርሰፕሽን
ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽረኽቡ መመልከቲ ዘቕረቡ ሰባት፡ ጉዳዮም ኣብ መዕለቢኡ ክሳብ ዝበጽሕ ነገራዊ ሓገዝ (ግቡእ ኣቀባብላ) ንኽረኽቡ መሰል ኣለዎም።
ህዝባውያን ቦታታት
ህዝባውያን ቦታታት ዝበሃሉ፡ ኵሉ ሰብ ሰብ ዝጥቀመሎም ከባቢታት እዮም። ዝበዝሑ ህዝባውያን ቦታታት ናሕሲ ዘይብሎም እዮም።
ናይ ባንክ ካርድ
ናይ ባንክ ካርድ ወይ ደቢት ካርድ ብምጥቃም፡ ካብ ATM ገንዘብ ከተውጽኡ ኰነ ብመገዲ Bancontact ክፍሊታት ከትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም።
ቤልጂዩም ንኵነታት ጥዕና ካብ 3 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝቆጻጸር ናጻ ኣገልግሎት ኣለዋ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ጥንስኽን፡ ምዕባለ ቆልዓኹምን፡ ኣተዓባብይኡን(ኣን) ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ።
ኣብ ቤልጂዩም፡ ብቐሊሉ ብባቡር፡ ብትራም ወይ ብኣውቶቡስ ክትጉዓዙ ትኽእሉ። ቅድሚ ምስፋርኩም ኩሉግዜ ቲከት ግዝኡ።
ኣብ ቤልጂዩም ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል እዩ - ዜግነቱ ወይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኲነታቱ ብዘየገድስ። ኣብ ቤልጂዩም፡ ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ ንኽሎም ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳብ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ግዴታ እዩ።
ነፍሲወከፍ ኣብ ፍላንደርስ እትነጥፍ ወግዓዊ ተቐበልነት ዘለዋ ቤት-ትምህርቲ፡ ምስ ቅለሳዊ ማእከል ምኽሪ ተማሃሮ (CLB/PMS)ብምትሕብባር እያ ትሰርሕ። ወለድን ተምሃሮን፡ ብዛዕባ ምምሃር፡ ትምህርትን ጥዕናን ዝምልከቱ ሕቶታት ሒዞም ናብኡ ብዘይ ክፍሊት ክኸዱ ይኽእሉ።
ብሰንኪ ጭንቀታት፡ ቆይቅታትን ጸገማትን ኣብ ስድራቤት፡ ዘይሕጉሳት እንተኾይንኩም ክሕግዝኹም ዝክእሉ ኣገልግሎታት ኣለዉ። ብዛዕባ ጸገማትኩም ተዛረቡ።
ኣብ ቤልጅዩም፡ መርዓ ኣብ ናጻ ምርጫ ናይ ሰባት ዝምርኮስ ተመኵሮ እዩ። ክትምርዓዉ ዲኹም ኣይክትምርዓዉን፡ ምስ መን ከ ኢኹም እትምርዓዉ፡ ባዕልኹም እትውስንዎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ሃገርና፡ ሓደ ጾታ ዘለዎም ሰባት እውን ንሓድሕዶም ክማራዓዓዉ ይኽእሉ እዮም። ክልቲኦም መጻምዲ እንተውሓደ ዕድሚኦም 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።
ፌዳሲል፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘጋጥም ጽበት ቦታ፡ ሓዲኡ ክሳብ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብኡ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ዘይክምርምሮ ይኽእል እዩ። ቀዳምነት ንህጻናት፡ ንደቀ'ንስትዮን ኣብ ኵነተ-ተኣፋፊነት ንዝርከቡ ሰባትን እዩ ዝወሃብ።