መዝገብ ዝርዝር ትርጉም ቃላት

ስምምዕ ጀኔቫ

ሃገረ-ቤልጂዩም እትርከበን 150 ሃገራት ዝኸተማሉ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ (1951)። እዘን ሃገራት እዚኣተን ነዚ ስምምዕ እዚ ክኽትማሉ እንከለዋ፡ ኣብ ሃገራቶም ውሕስነት ስኢኖም ናብኣተን ኣትዮም ዕቝባ ንዝሓቱ ሰባት ከዕቁባ ቃል ኣትየን እየን ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ብመሰረት እዚ ስምምዕ እዚ ዕቑብ ስደተኛ ክኸውን ይኽእል። ዕቑባት ስደተኛታት ነዞም ዚስዕቡ መምዘኒታት ከማልኡ ይግባእ፦ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ሰባት፡ ኣብ ሃገሮም ንኸይነብሩ ምኽንያት ዝዀኖም ስግኣት ዘለዎም፡ ከምኡ`ውን ንገዛእ-ሃገሮም ዕቝባ ንኽሓትዋ ዘይክእሉ ወይ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ክዀኑ ይግባእ። ምኽንያት ስግኣት ናይ`ዞም ከም`ዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ ሓደ ካብ`ዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ጉዳያት ዝተኣሳሰር ክኸውን ይግባእ፦ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ሃገራዊ መንነት፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ማሕበራዊ ጕጅለ።