መስርሕ ዑቝባ

ኣብ በልጁም ድማ ዑቕባ ብምሕታትኩም፡ ኣብ ናይ በልጆም ግዝኣት ክትነብሩ ኢኹም ትሓትቱ ዘለኹም፡ እዚ ድማ ምኽንያቱ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ንሂወትኩም ስግኣት ስለዘለኩም እዩ።

እቶ ቀንዲ ደረጃታት ናይ ዕቝባ እንታይ እዮም?

ኣብ'ዚ ማእከል እዚ፡ነቲ ንዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽንተረክብዎ። ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እታ ንመመልከቲኹም ክትከታተሎ ስልጣን ዘለዋ ሃገር ቤልጂዩም ምዃናን ዘይምዃናን ክፍትሽ እዩ።

ድሕር'ዚ፡ መመልከቲኹም ናብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኮሚሽነር ስደተኛታትን ሃገር-ኣልቦ ሰባትን (CGVS/CGRA)ክሰጋገር እዩ። እዚ ትካል እዚ ዘይሻርነታዊ ውድብ ኰይኑ ቃለ-መሕትት ከካይደልኩምን ኣብ ጉዳይኩም ውሳኔ ክወስድን እዩ።

ብዛዕባ እቲ ብትካል CGVS/CGRA ዝወሃበኩም ውሳኔ ምስዘይትሰማምዑ፡ ኣንጻሩ ናብ ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት (RvV/CCE)ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ወጻኢ ናይ ዑቕባ ሕቶ ከተእትዉ ኣይክኣልን እዩ።