ምስ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝህልወኩም ቈጸራ

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሕቶታት ንኸቕርበልኩም ዕድመ ክሰደልኩም እዩ (ኣብ ገሊኡ ግዜ ብተደጋጋሚ ክሰደልኩም እዩ)።

ኣብ`ዚ ናይ ቃለ-መሕትት እዋን እዚ ከመይ ዝኣመሰሉ ሕቶታት እዮም ክቐርቡልኩም?

እዚ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተካይድዎ ቃለ-መሕትት ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤልጂዩም ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ መመልከቲ ከተቕርቡ ዝደረኸኩም ምኽንያት መብርሂ ክትህቡ ከድልየኩም እዩ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝሰርሕ ሓላፊ ሕቶታት ከቕርበልኩምን ንእትህብዎም መልስታት ኣብ ሰነድ ከስፍሮምን እዩ። ዝርርባዊ ተርጓሚ ክሕግዘኩም ስለዝዀነ፡ እቶም ዝቐርቡልኩም ሕቶታት ንዓኹም ብሩሃት እዮም ክዀኑ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝሰርሕ ሓላፊ ነቲ ዝጸሓፎ ሰነድ ደጊሙ ከንብበልኩምን ብዛዕባኡ ከምዝተሳማማዕኩም ንምርግጋጽ ኣብኡ ክታምኩም ንኸተንብሩ ክሓተኩምን እዩ። ቅዳሕ ናይ`ቲ ሰነድ እቲ ክወሃበኩም እዩ።

ድሕር ምክያድ ናይ`ዚ ቃለ-መሕትት እዚ ዝስዕብ እንታይ እዩ?

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ እታ ነቲ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ምምስራሕ/ምስላጥ ሓላፍነት እትስከም ሃገር ቤልጂዩም ምዃናን ዘይምዃናን ክፍትሽ እዩ። እታ ዝምልከታ ሃገር ቤልጂዩም እንተዀይና፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንጉዳይኩም ናብ ትካል CGVS/CGRA ከሰጋግሮ እዩ። ትካል CGVS/CGRA ድሒርኩም ንውሕ ዝበለ ቃለ-መሕትት ንኸተካይዱ ዕድመ ክገብረልኩም እዩ።

ኣሰር ኣጻብዕትኹም ኣብ ስርዓት ዕቑር ሓበሬታ ተሰኒዱ እንተጸኒሑ፡ ቅድሚ ናብ ቤልጂዩም ምእታውኩም ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ኤውሮጳ ተመዝጊብኩም ኔርኩም ኢኹም ማለት እዩ። ከምኡ ምስዝኸውን፡ ናብ`ታ ሃገር ከምእትኸዱ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ሕጋጋት ኤውሮጳዊ ሕብረት (ሕጊ ዱብሊን) ዝምርኮስ እዩ።