ንመስርሕ ናይ`ቲ ንሕቶ ዕቝባ ብዝምልከት ኣቕሪብኩሞ ዝጸናሕኩም መመልከቲ ደው ከተብልዎ ደሊኹም

ነቲ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ ብዝምልከት ኣቕሪብኩሞ ዝጸናሕኩም መመልከቲ ደው ከተብልዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ገለ ሰባት ነቲ ንመስርሕ ናይ`ቲ ን ኣህጉራዊ ሓለዋብዝምልከት ኣቕሪቦሞ ዝጸንሑ መመልከቲ፡ ውሳኔኣዊ መልሲ ናይ ትካል CGVS/CGRA ከይተጸበዩ ደው ከብልዎ ይደልዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዝጸንሐ ጸገም የቋርጽ እሞ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይደልዩ፤ ወይ ድማ ኣብ ቤልጂዩም ንኽነብሩ ፍቓድ ነባርነት፡ (ፍቓድ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤትፍቓድ ወግዓዊ ሕክምናዊ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ፡ ወዘተ ስለዝረኽቡ)።

CGVS/CGRA

ብዛዕባ ንመስርሕኩም ደው እተብሉሉ ኣገባብ ክትፈልጡ ዶ ደሊኹም ኣለኹም?

ኣብ ቤልጅዩም ዕቝባ ምርካብ ክትከድዎ ንዝጸናሕኹም መስርሕ ከተቋርጽዎ ምስእትደልዩ፡ ንትካል CGVS/CGRA ከተፍልጥዎ ይግባእ። ንመስርሕኩም ከቋርጾ ዝኽእል ሰብ እንተሃልዩ፡ ንስኻትኩም ባዕልኹም ጥራይ ኢኹም። ናትኩም ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ይኹን ካልእ ውልቀ-ሰብ ኣብ ክንዳኹም ክውስን ኣይክእልን እዩ። 

ካብ ትካል CGVS/CGRA ንዝወሰድኩሞ ሰነድ ክትመልእዎ ይግባእ። ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ናትኩም ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ነዚ ሰነድ እዚ ኣብ ምርካብን ኣብ ምምልኡን ንኽተሓጋገዙኹም ተወከስዎም። እዚ ኣብ ቤልጂዩም ወሲድኩሞ ዘለኹም ውሳኔ ከመይ ዝኣመሰለ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል እውን ሕተትዎም።

ትካል CGVS/CGRA ነቲ ዝመላእኩሞ ሰነድ ምስተቐበሎ፡ ንመስርሕ ናይ`ቲ ንዕቝባ ዝምልከት መመልከቲኹም ብቐጥታ ደው ከብሎ እዩ።

ጽልዋታት ሕጋዊ መመርሒ ዱብሊን
ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፦ ንመስርሕ ናይ'ቲ ኣብ ቤልጅዩም ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ መመልከቲኹም ደው ኣቢልኩም ኣብ ካልእ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነት ሃገር ካልእ መመልከቲ ምስእተቕርቡ፡ ሕጋዊ መምርሒ ዱብሊን ገና ኣብ ጉዳይኩም ተተግባሪ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ እታ ኣብ መዳይ ምክትታል ናይ'ቲ ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ዝምልከት መመልከቲኹም ሓላፍነት ዝህልዋ ሃገር ቤልጅዩም ማለት እዩ። ከም መትከል፡ እታ ዳሕረወይቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ናብ ቤልጅዩም ክትመልሰኩም እያ።