ኣብ ሞንጎ መስርሕ ናይ'ቲ ጉዳይ ናብ ወጻኢ ሃገር ምጋሽ

ጉዳይ ሕቶ ዕቝባኹም ኣብ መስርሕ እንከሎ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገሹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ሓንሳብ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ምስረኸብኩም፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገሹ ትኽእሉ ኢኹም፤ መገሻኹም ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክኸውን ግን ኣይግባእን።

መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ከይተዛዘመ ናብ ወጻኢ ሃገር ምጋሽ ፍቑድ ኣይኰነን

ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበኩም መመልከቲ ከምዘቕረብኩም ሰባት መጠን፡ ጉዳይኩም ኣብ መስርሕ እንከሎ ካብ ቤልጂዩም ክትወጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብዓቢኡ ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን። እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ናይ ኢማትሪኩሌሽን ወረቐት ምስክር፡ ኣብ ውሽጢ ክሊ ኤውሮጳ ንኽትገሹ ዘኽእለኩም ኣይኰነን።

ይኹን`ምበር፡ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክትምለሱ ምስእትደልዩ፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ደው ከተብልዎ ትኽእሉ ኢኹም። ትካል ፌዳሲል ኣብ መዳይ ምውዳብ መስርሕ ምምላስኩም፡ ከምኡ`ውን ዋጋ ትኬት ነፋሪት ኣብ ምሽፋን ክተሓጋገዘኩም እዩ።

ከም ዕቑብ ስደተኛ ተቐባልነት ረኺብካ ምጋሽ

ከም ዕቝባት ስደተኛታት ተቐባልነት እንተረኺብኩም ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባእንተጸዲቑልኩም፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገሹ ትእኽሉ ኢኹም።

ዕቝባት ስደተኛታት ክነስኹም ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክትገሹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ምስእትገሹ፡ ሃገረ-ቤልጅዩም ሂባትኩም ንዝጸንሐት ዕቝባ ከተሕድገኩም ትኽእል እያ። ድሕር`ዚ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ንዘለኩም መሰል ክትከስርዎ ኢኹም።

ንኽትገሹ ዘድልዩኹም ሰነዳት ኣየኖት እዮም?

  • ተቐባልነት ዘለዎ ኤሌክትሮኒካዊ ታሴራ ናይ ወጻእተኛታት
  • ሰነድ መገሻ ናይ ዕቑባት ስደተኛታት(ሰማያዊ ፓስፖርት)።

ሰማያዊ ፓስፖርት ንኽወሃበካ መመልከቲ ምቕራብ

ፓስፖርት ንኽወሃበኩም ኣብ`ቲ ዝተመዝገብኩሙሉ ምምሕዳር ከተማ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ፓስፖርት ንምርካብ መመልከቲ ኣብ እተቕርቡሉ እዋን፡ እዞም ዚስዕቡ ሰነዳት ከድልዩኹም እዮም፦

  • ናትኩም ኤሌክትሮኒካዊ ታሴራ ናይ ወጻእተኛ
  • ንፓስፖርት ዝበቅዕ ስእልኹም
  • መረጋገጺ ኣባላት ስድራ-ቤት (ብዛዕባ እዚ ንምምሕዳር ከተማኹም ተወከሱ)

ኣብ ገሊኡ፡ ናብ ገለ ሃገራት ንምጋሽ ተወሳኺ ፍቓድ ምርካብ (ቪዛ) ኣድላዪ እዩ። ናብ`ታ ክትገሹላ እትደልዩ ሃገር ንኽትኣትዉ ቪዛ የድልየኩም ከይከውን ኣቐዲምኩም ኣጣልሉ።

ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክትምለሱ ድልየት ኣለኩም ድዩ?

ናብ ዴስክ `ተመለስቲ` ናይ ፌዳሲል ቅረቡ

ወይ ድማ ናብ ናጻ መስመር ተሌፎን 0800 32 745 ደውሉ