መስርሕ መርመራ መመልከቲኹም

ቃለ-መሕትት ምስ ኣካየድኩም፡ ትካል CGVS/CGRA ነቲ ዝሃብኩሞ ሓበሬታን ንዘቕረብኩሞም ሰነዳትን ክፍትሽ እዩ። ድሕር`ዚ፡ ትካል CGVS/CGRA ነቲ ናይ ዕቝባ መመልከቲኹም ብዝምልከት ውሳኔ ክህብ እዩ።

እቲ ንጉዳይኩም ዝከታተል ናይ CGVS/CGRA ሓላፊ ዝፍትሾም ነጥብታት፦

እቶም ንመመልከቲኹም ዝምርምሩ ሓለፍቲ ናይ ትካል CGVS/CGRA፡ ኣብ ጉዳይ ዕቝባ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሞያውያን እዮም። ነቲ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ዘሎ ኵነታት ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጥዎ እዮም። ንኵነታት ፖለቲካ፡ ሰብኣዊ መሰልን ጸጥታን ናይ ሃገርኩም ብዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ዝበጽሖም።

ውሳኔ ናይ ትካል CGVS/CGRA ክሳብ ዝወሃበኒ ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ክጽበ የድልየኒ?

ትካል CGVS/CGRA ነቲ ከም ሓተትቲ ዕቝባ መጠን ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ብዕምቈት እዩ ዝምርምሮ። ትካል CGVS/CGRA ኣብ ዝሓጸረ እዋን ውሳኔ ከመሓላልፍ እዩ ዝጽዕር፤ ማለት ኣብ ውሽጢ ካብ 6 ኣዋርሕ ዘይዛይድ እዋን። ኣብ ገለ ጉዳያት፡ ውሳኔ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክትግበር ዝከኣል እዩ (ኣብ ውሽጢ ካብ 15 መዓልትታት ዘይነውሕ ግዜ)።

ኣብ ገሊኡ ድማ መስርሕ ምጽራይ ናይ መመልከቲኹም ነዊሕ ግዜ ይወስድ። ትካል CGVS/CGRA ኣብ ውሳኔ ንኽበጽሕ ዘለዎ ዝነውሐ ግዜ፡ 21 ኣዋርሕ እዩ።

ከመይ ዝኣመሰለ ውሳኔ እዩ ዝወሃበኒ?

ትካል CGVS/CGRA እወታዊ ወይ ኣሉታዊ ውሳኔ ክወስድ ይኽእል፦

ኣሉታዊ ውሳኔ ምስዝወሃበኩም፡ ኣንጻር እዚ ውሳኔ እዚ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።