ኣብ መስርሕ ጉዳይኩም ዝቐርቡ ወረቓቕቲ ምስክር ሕክምና

ሓኪምኩም ዝገብረልኩም ሕክምናዊ መርመራ ይኹን ብኣኡ ዝጸሓፈልኩም ወረቐት ምስክር ሕክምና፡ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ከገልግል ይኽእል እዩ።

ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ሕማቕ ኣተሓሕዛ ነይሩኩም ዶ? ተገሪፍኩም ኔርኩም ዶ?

ወረቓቕቲ ምስክር ሕክምና ምስዝህልዉኹም፡ ኣብ’ቲ ን ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ከም ጭብጢ ከገልግሉ ስለዝኽእሉ፡ ኣብ’ቲ ምስ ትካል CGVS/CGRA እተካይድዎ ቃለ-መሕትት ሒዝኩሞም ክትቀርቡ ይግባእ።

ወረቓቕቲ ምስክር ሕክምና ምስዘይህልዉኹም፡ ትካል CGVS/CGRA ናብ ዶክተር ቀሪብኩም ንኽትረኣዩ ጠለብ ከቕርብ ተኽእሎ ኣሎ። ከምኡ ኣብ ዝዀነሉ፡ ነቲ ዝርእየኩም ዶክተር ገንዘብ ክትከፍልዎ ኣየድልየኩምን እዩ።

ሕክምናዊ መርመራ

ትካል CGVS/CGRA ሕክምናዊ መርመራ ንኸተካይዱ ሕቶ ምስዘየቕርበልኩም፡ ግን ከኣ ንስኹም መረጋገጺ ናይ'ቲ ኣብ ልዕሌኹም እተገብረ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ምእንቲ ክትረኽቡ ገና ክትምርመሩ ምስእትደልዩ፡ ናብ ዶክተር ክትቀርቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ወጻኢታት መርመራኹም ግን ባዕልኹም ኢኹም ክትሽፍንዎ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይ ወይ ምስ'ቲ ዝውክለኩም ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ተዛራረቡ።

ክሽቦ/ምኽንሻብ

ትካል CGVS/CGRA ነተን ግዳያት  ኽሽቦ ጓለ-ንስተይቲ ዝዀና (ኣብ ልዕሊአን ክሽቦ ንኸይፍጸም ዘስግኣ ኣንስትን ኣዋልድን) ደቀ’ንስትዮ ብዝምልከት፡ ጠለብ ፍሉይ ሕክምናዊ መርመራ ከቕርብ እዩ። 

እዚ መርመራ እዚ ኣብ መስርሕ መመልከቲ ዕቝባ ናይ'ተን ዝምልከተን ደቀ'ንስትዮን ኣዋልድን ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ምስእትህልዋ፡ ብዛዕባኡ ምስ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይክን ክትዘራረባ እሞ ኣብ GAMS (ውድብ ደገፍ ናይ ግዳያት) ምስ ዝነጥፍ ዶክተር ቈጸራ ከምዝተሓዘልክን ክግበር ዝከኣል እዩ። ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ተዓቚብኩም እንተዘይሃሊኹም፡ ንትካል GAMS ብቐጥታ ክትውከሱ ትእኽሉ ኢኹም።

ትካል GAMS (ንግዳያት ክሽቦ ጓለ'ንስተይቲ ዝሕግዝ ፍሉይ ውድብ)

ቍ. ተሌፎን፦ 02/ 219 43 40

ኢ-መይል፦ info@gams.be