ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ናይ ኣህጉራዊ ሓለዋ

እቲ መጀመርታ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ምስዝንጸግ፡ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ከተቕርቡ ዝከኣል እዩ። ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ከተቕርቡ ዝግባእ፡ ሓድሽ ምኽንያት ምስዝህልወኩም ወይ እቲ መጀመርታ ዘቕረብኩሞ መመልከቲኹም ድሕሪ ምንጻጉ ሓድሽ ጭብጢ ዘለዎ ሓበሬታ ምስዝህልወኩም ጥራይ እዩ።

ነቲ ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲኹም ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽንኢኹም እተመዝግብዎ።

  • እቲ ናይ መጀመርታ መመልከቲ ብናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክዕጾ ይግባእ።
  • መስርሕ ናይ ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲኹም ልክዕ በቲ ቀዳማይ መመልከቲኹም ዝተሳለጠሉ ቋንቋ እዩ ክሳለጥ።

እቶም ሕግታት ናይ ስዒቡ ዝመጽእ መመልከቲ ካብ ናይ መጀርመታ ናይ ዕቚባ መመልከቲ ዝተፈልዩ እዮም።