ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣይኰንኩምን እትነብሩ ከምኡ'ውን ሕክምናዊ ሓገዝ የድልየኩም እዩ
ከም ሓታቲ ዕቝባ ኣብ በልጅየም፡ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡን ከምኡ'ውን ርትዓዊ ዝኾነ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ክህልወኩምን መሰል ኣለኩም። ናበይ ክትከዱ ትኽእሉ? ከምኡ'ውን እንታይ ከተስተውዕሉ ይግብኣኩም?
ዶክተር ወይ መድሃኒት ምስ እትደልዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይትቕመጡ ምስ እትኾኑ፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ቈጸራ ምሓዝ እዩ። ሓፈሻዊ ሓኪም ኣብ ዝኾነ ከተማ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ኣብዚ ዝስዕብ ንክሕግዘኩም ድሉው እዩ፦
- ሰንኪ ሕማም ወይ ድሕሪ ሓደጋ ሓገዝ ምስ እትደልዩ
- ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ምስ እትደልዩ
- ሕክምናዊ ክትትል ንምግባር፣ ንኣብነት ሽኮርያ እንተሃልይኩም ወይ ድማ ጥንስቲ እንተዄንኪ
- ኣብ ቀረባ ናብ ዘሎ ዶክተር ወይ ሆስፒታል ንምውካስ
- ንክታበታትኩምን መድሃኒትኩምን
እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ናትኩም ሓፈሻዊ ናይ ጥዕና መዝገብ ክሕዝ እዩ። ነዚ ፍቓድኩም ክትህቡ የድሊ። እቲ ሓፈሻዊ ናይ ጥዕና መዝገብኩም ብዛዕባ ጥዕናኹም ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ዝሕዝ እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ስርዓት ክንክን ጥዕና ኣብ በልጅየም ከመይ ከምዝሰርሕ ክገልጸልኩም እዩ።
ቈጸራ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP)
ናብቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ቅድሚ ምኽያድኩም፡ ኣቐዲምኩም ቈጸራ (ዕለትን ሰዓትን) ክትሕዙ ኣለኩም። ነዚ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ወይ መተግበሪ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን ናብ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ብምድዋል ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ እዋን ምርመራ፡ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ሕቶታት ክሓተኩም፡ ክምርምረኩም ከምኡ'ውን እንተድልዩ መድሃኒት ክእዝዘልኩም እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ሕማማት ኣፍልጦ ኣለዎ።
ኣብ ግዜ ምርመራ እትዛረቡዎ ኩሉ ነገር ምስጢራዊ ክኸውን እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪምን (GP) ነርስን ምስጢር ክዕቅቡ ናይ ሞያዊ ምስጢራውነት ሓላፍነት ኣለዎ ከምኡ'ውን ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይከካፍሉን እዮም።
ድሕሪ ምርመራ፡ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ዝበለጸ ኣገባብ ሓገዝን መድሃኒት የድልየኩም ወይስ ኣየድልየኩምን ምዃኑ ክውስን እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ ክኢላ ዶክተር ክሰደኩም ክውስን ይኽእል እዩ።
ናይ ሆስፒታል ቈጸራ
ዶክተር ወይ ነርስ ብክኢላ ዶክተር ንመርመራ ወይ ኣብ ሆስፒታል ንምድቃስ ናብ ሆስፒታል ከመሓላልፉኹም እዮም። ከምኡ'ውን ባዕልኹም ኣብቲ ሆስፒታል ቈጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።
ከምኡ'ውን ኣብ እዋን መርመራ ተርጓሚ የድልየኩም እንተኾይኑ ነቲ ሆስፒታል ሓብሩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ እትምዝገቡሉ መዓልቲ ናይ ዶክተር መወከሲ ደብዳቤ ከምኡ'ውን ኣራንሾኒ ካርድኹም፡ ጥብቆ 26 ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነድ ተማልኡ።
እቲ ሆስፒታል መጀመርታ ካብ Fedasil እቲ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡ መሰል ከምዘለኩምን ዘይብልኩምን ክምርምር እዩ። ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ናይ መንግስቲ ኤጀንሲ ጥዕና CAAMI-HZIV ወጻኢታት ምሽፋኑ ካብ ናይ Fedasil ዶክተር ፍቓድ የድልዮ እዩ። ነዚ ንምግባር እቲ ናይ ኦንላይን ቅጥዒ ክትጥቐሙ ትኽእሉ ኢኹም (ብሓያሎ ቋንቋታት ይርከብ)።
ብ Fedasil ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ናይ ጥዕና ኤጀንሲ CAAMI-HZIV ኩሉ ሕክምናዊ ወጻኢታትኩም ብቐጥታ ነቲ ሆስፒታል ክኸፍልዎ እዮም።
ኣስተውዕሉ፦ተወሳኺ ክፍሊታት፡ ንኣብነት ናይ ውልቀ ክፍሊ ወጻኢታት፡ ብ Fedasil ኣይክፍቐድን እዩ።
ኣብ ቈጸራኹም ክትርከቡ ዘይትእኽሉ እንተዄንኩም፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ነቲ ሆስፒታል ክትሕብሩ ኣለኩም። እንተዘይሓቢርኩሞም ግን፡ ነቲ ዝሓለፈ ምርመራ ባዕልኹም ክትከፍሉ ክትግደዱ ኢኹም። ከምኡ'ውን ብልክዕ ኣብ ግዜ ቈጸራኹም ምምጻእኩም ኣረጋግጹ!
ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም
Fedasil ዝበዝሕ ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ክኸፍሎ እዩ። ናይ ሆስፒታልን ፋርማሲን ወጻኢታት፡ Fedasil ምስ CAAMI-HZIV ዝበሃል መንግስታዊ ትካል ጥዕናብምትሕብባር ይሰርሕ።
ናብ ሆስፒታል ወይ ፋርማሲ ንምኽያድ ካብ Fedasil ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት (ጠለብ ክፍሊት) ኣየድልየኩምን እዩ።
ካብቲ ሆስፒታል ወጻኢ ንምኽያድ ንኣብነት ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ወይ ካልእ ወሃቢ ክንክን ጥዕና፡ ከም ናይ ስኒ ሓኪም፡ በዓል ሞያ ፊዚዮተራፒ ወይ ክኢላ ስነ-ልቦና ካብ Fedasil ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት የድልየኩም እዩ
ኣብ ትሕቲ ውዕል ስራሕ፡ መሃያ ዘለዎ ስራሕ እንተሃልዩኩም፡ ናብ ዝመረጽኩሞ ማዕከን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም። በዚ ከምዚ፡ ዝበዝሕ ናይ ሕክምና ወጻኢታት እቲ ማዕከን መድሕን ጥዕና ኣብ ክንዲ Fedasil ክኸፍሎ እዩ። መጀመርታ እቲ ናትኩም ክፍሊት ብርኪ ባዕልኹም ነቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ክትከፍሉዎ ኣለኩም፡ ከምኡ'ውን Fedasil ነቲ ዝኸፈልኩሞ ወጻኢታት መሰረት ብምግባር እቲ ፋክቱርን ናይ ክፍሊት መረጋገጺን ክመልሰልኩም እዩ።
ከመይ ጌርኩም ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ንምርካብ ተመልክቱ?
- ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ቅድሚ ምኽያድኩም ገለ መዓልታት ወይ ንኻልእ ካብ ሆስፒታል ወጻኢ ዝርከብ ወሃቢ ክንክን ጥዕና፡ ንስኹም (ወይ እቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና) ናብ Fedasil መመልከቲ ከተቕርቡ ኣለኩም።
- ነዚ ንምግባር እቲ ናይ ኦንላይን ቅጥዒ ተጠቐሙ (ብሓያሎ ቋንቋታት ይርከብ)።
- ነቲ ቅጥዒ ምስ መሊእኩም ምስ ወዳእኩም፡ Fedasil ንናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ክኸፍሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሕብር ኢ-መይል ክመጸኩም እዩ።
- Fedasil ነቲ ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ክሽፍኖ እንተተሰማሚዑ፡ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐትብመገዲ ኢ-መይል ክትቅበሉ ኢኹም።
- ነዚ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ናብቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ወይ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ሒዝኩሞ ኪዱ። እቲ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ናብቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ብቀጥታ ብፖስታ ክስደድ ይከኣል እዩ።
- እዚ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት እንተሃሊዩኩም፡ ዝኾነ ክፍሊት ኣይትኸፍሉን ኢኹም። ድሕሪ ምርመራኹም፡ Fedasil ነቲ ሕክምናዊ ወጻኢታት ነቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ክኸፍሎ እዩ።
ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ምውሳድ
ኣብ ፋርማሲ፡ እቲ ብዶክተር ዝተኣዘዘልኩም መድሃኒት ክትወስዱዎ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ በዓል ሞያ ፋርማሲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ መድሃኒትን ከስዕቦ ዝኽእሉ ጎናዊ ሳዕቤናትን ክገልጸልኩም እዩ።
ናብ ፋርማሲ ክትከዱ ከለኹም ኩሉ ግዜ ናይ ዶክተር መአዘዚ ወረቐት ከምኡ እውን ኣራንሾኒ ካርድኹም፡ ጥብቆ 26 ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነድ ሒዝኩም ኪዱ።
እቲ በዓል ሞያ ፋርማሲ መጀመርታ ካብ Fedasil እቲ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡ መሰል ከምዘለኩምን ዘይብልኩምን ክምርምር እዩ። ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ናይ መንግስቲ ኤጀንሲ ጥዕና CAAMI-HZIV ወጻኢታት ምሽፋኑ ካብ ናይ Fedasil ዶክተር ፍቓድ የድልዮ እዩ።
ድሕሪ ናይ Fedasil ፍቓድ፡ ናይ ጥዕና ኤጀንሲ CAAMI-HZIV ናይ መድሃኒት ወጻኢታት ብቐጥታ ነቲ ፋርማሲ ክኸፍልዎ እዮም።
ከምኡ'ውን ካብ ፋርማሲ ናይ ሓኪም መአዘዚ ወረቐት ዘየድልዮም፡ ንኣብነት ከም ጸረ-ቃንዛ ዝኣመሰሉ፡ መድሃኒታት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዘይ ናይ ሓኪም መአዘዚ ወረቐት መድሃኒት እንተገዚእኩም ግን፡ ሙሉእ ወጻኢ ባዕልኹም ክትከፍሉዎ ኢኹም።
ናይ ሕክምና ፋክቱር እንተመጺእኩም ከ?
ኣብ ገዛኹም ናይ ሕክምና ቅብሊት (ከምኡ’ውን መዘኻኸሪታት ወይ ካብ ኣከብቲ ዕዳ ዝተላእኩ ደብዳቤታት) እንተመጺኩም፡ ነዞም ደብዳቤታት እዚኦም ብዝቀልጠፈ ናብ Fedasil ክትሰዱዎም ይግበኣኩም፦
- ብኢ-መይል medic@fedasil.be
- ብፖስታ፦ Fedasil - ኣሃዱ ሕክምናዊ ወጻኢታት ናይ Fedasil፡ Rue des Chartreux 21 - 1000 Bruxelles
ምስቲ ፋክቱር ዝመጸ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ኣተሓሒዝኩም ለኣኹዎ።
እቲ ቈጸራ ህጹጽ ስለዝነበረ ኣቐዲምኩም ፍቓድ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ክትሓቱ እንተዘይተክኢልኩም፡ ናትኩም ናይ ውልቂ ዝርዝር ሓበሬታ (ሃገራዊ ቊጽሪ ወይ ናይ OV ቊጽሪ) ወስኸሉ። እዚ ሃገራዊ ቍጽሪ ወይ ናይ OV ቍጽሪ እዚ ኣብ'ቲ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝመጽኣኩም ጥብቆ 26ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።
Fedasil ነዚ ወጻኢታት እዚ ክኸፍሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ።
ነቲ ብቐጥታ ዝኸፈልኩሞ ወጻኢታት ክምለሰልኩም ትደልዩዶ?
ንጠለብ መሕወዪ ክፍሊት ናይ ወጻኢታት ሕክምና ብዝምልከት፡ Fedasil እዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ሰነዳት ክህልውዎ ይግባእ፦
- መበቆላዊ ፋክቱር ወይ ቅዳሑ
- መረጋገጺ ክፍሊት ፋክቱር
- ቅዳሕ ናይ ባንክ ካርድ። ናይ ባንክ ካርድ ብስም ተሓካሚ እንተዘይኰይኑ፡ ከፋሊ/ኣመልካቲ እቲ መሕወዮ ክፍሊት ናብ’ቲ ሕሳብ ንኽወሃቦ ከም እተሳማምዐ ዘረጋግጽ ደብዳቤ ተታሓሒዙ ክቐርብ ይግባእ።
- እቲ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኹም (ሃገራዊ ቍጽርኹም ወይ ናይ OV/SP ቁጽርኹም እቲ ቈጸራ ህጹጽ እንተኾይኑን ኣቐዲምኩም መመልከቲ ምቕራብ እንተዘይክኢልኩምን)።
ነዞም ሰነዳት ናብ Fedasil ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ለኣኹዎ፦
ብኢመይል፦ medic@fedasil.be
ብፖስታ፦ Fedasil - ኣሃዱ ሕክምናዊ ወጻኢታት ናይ Fedasil፡ Rue des Chartreux 21 - 1000 Bruxelles
Fedasil ነዚ ወጻኢታትን እዚ መሕወዪ ክፍሊት ክህበሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ።
