መድሕን ጥዕና

ኣብ ቤልጅዩም መድሕን ጥዕናምውጻእ ግዴታዊ እዩ። ምስእትሓሙ፡ ማዕከን መድሕን ጥዕና ንዝበዝሕ ክፋል ወጻኢታት ናይ ሕክምናኹም ይሽፍኖ እዩ። ብምኽንያት ሕማም ዓዲ ምስእትውዕሉ፡ ኣምሳያ ደሞዝኩም ገንዘባዊ መሕወዪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት እንተረኺብኩም፡ ናብ ዝመረጽኩሞ - ተፈላጥነት ዘለዎ ማዕከን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ ይግባእ። ኣባል ናይ ዝዀነ ይኹን ማዕከን መድሕን ጥዕና ክትኰኑ እንተዘይደሊኹም፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ክፍሊት፡ ኣባል ናይ `ማዕከን ተወሳኺ መልዕሎ ሕማምን መድሕን ስንክልናን` ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ማዕከን መድሕን ጥዕና እንታይ እዩ ዝጠቕመኩም?

ማዕከን መድሕን ጥዕና (ወይ 'ሽርክነት')

  • ወጻኢታት ሕክምና ይሽፍን
  • ብምኽንያት ሕማም ድዩስ ሓደጋ ዓዲ ምስእትውዕሉ፡ ገንዘባዊ ጠቕሚ ንኽትወሃቡ የኽእለኩም
  • ኣብ እዋን ናይ ሕርሲ ዕረፍትኽን (ድሕሪ ሕርሲ)፡ ገንዘባዊ ጠቕሚ ንኽትወሃባ የኽእለክን
  • ኣብ ቤት ዝወሃቡ ክንክናዊ ኣገልግሎታት ይውድብ (ሓገዝ ንህጻናትን ኣረጋውያንን)
  • ኣብ ቤት ንዝሕከሙ ሰባት ሕክምናዊ ንብረት የለቅሕ።

ወጻኢታት መድሕን ጥዕና ክንደይ ይበጽሕ?

ሓንሳብ ኣባልነት ምስሓዝኩም፡ ቀዋሚ ዓመታዊ ክፍሊት (ካብ 80 ክሳብ 110 ዩሮ ዝበጽሕ) ንኽትፍጽሙ ክትግደዱ ኢኹም። ንህጻናት ወይ ካልኦት ጽግዕተኛታት፡ መድሕን ጥዕና ናጻ እዩ።

ከመይ ዝኣመሰሉ ማዕከናት መድሕን ጥዕና እዮም ዘለዉ?

ክርስትያናዊ ማዕከን ጥዕና፡ ለበራላዊ ማዕከን ጥዕና፡ ማሕበርነታዊ ማዕከን ጥዕና፡ ሻግነት-ኣልቦ ማዕከን ጥዕና፡ ኒውትራል ማዕከን ጥዕና። ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ RIZIV/INAMI፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ኵላቶም ማዕከናት መድሕን ጥዕና ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።