መድሕን ጥዕና

ኣብ በልጅየም፡ ሰባት መድሕን ጥዕና ኣለዎም። ምስእትሓሙ፡ ማዕከን መድሕን ጥዕና ንዝበዝሕ ክፋል ክፍሊታት ናይ ሕክምናኹም ይሽፍኖ እዩ። ብሰንኪ ሕማም ወይ ሓደጋ ስራሕ ክትሰርሑ እንተዘይክኢልኩም፡ ኣምሳያ ደሞዝኩም ገንዘባዊ መሕወዪ ክትረኽቡ ኢኹም።

ከም ሓታቲ ዕቚባ ኣብ በልጅየም መጠን Fedasil ዝበዝሕ ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ክኸፍሎ እዩ።ይኹን እምበር ሓታቲ ዕቚባ ክንስኹም ኣብ ትሕቲ ውዕል ስራሕኮይኑ መሃያ ዘለዎ ስራሕ እንተሃሊዩኩም፡ ናብ ባዕልኻትኩም ዝመረጽኩሞ ማዕከን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ከም ስደተኛ ተቐባልነት እንተረኺብኩም፡ ናብ ዝመረጽኩምዎ ማለት ተፈላጥነት ዘለዎ ማዕከን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ ይግባእ። ናብ ማዕከን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ እንተዘይደሊኹም፡ ብነጻ ናብቲ ናይ መንግስቲ ትካል ጥዕና CAAMI-HZIV ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ማዕከን መድሕን ጥዕና እንታይ ይጠቕመኩም?

ዝኾነ ማዕከን መድሕን ጥዕና (ወይ 'ሽርክነት - mutuality')

•    ናይ ሕክምና ወጻኢታት ይሽፍን 
•    ሰንኪ ሕማም ወይ ሓደጋ ስራሕ ክትሰርሑ እንተዘይክኢልኩም፡ ገንዘባዊ ሓገዝ (ክፍሊት) ይኸፍል
•    ኣብ እዋን ዕረፍቲ ወሊድ (ድሕሪ ሕርሲ) ገንዘባዊ ሓገዝ ይኸፍል
•    ናይ ኣባይቲ ኣገልግሎት ክንክን የዳሉ (ንህጻናትን ንኣረጋውያንን ዝኸውን ሓገዝ)
•    ኣብ ኣባይቲ ዝግበር ናይ ዝሓመሙ ሰባት ክንክን ናይ ሕክምና ንብረት የለቅሕ።

ወጻኢታት መድሕን ጥዕና ክንደይ ይበጽሕ?

ሓንሳብ ኣባልነት ምስሓዝኩም፡ ቀዋሚ ዓመታዊ ክፍሊት (ካብ 100 ክሳብ 120 ዩሮ ዝበጽሕ) ንኽትፍጽሙ ክትግደዱ ኢኹም። ንህጻናት ወይ ንካልኦት ጽግዕተኛታት፡ መድሕን ጥዕና ናጻ እዩ።

ከመይ ዝኣመሰሉ ማዕከናት ገንዘባዊ ሓገዝ መድሕን ጥዕና እዮም ዘለዉ?

ክርስትያናዊ ማዕከን ጥዕና፡ ሊበራላዊ ማዕከን ጥዕና፡ ማሕበርነታዊ ማዕከን ጥዕና፡ ሻርነት-ኣልቦ ማዕከን ጥዕና፡ ኒውትራል ማዕከን ጥዕና። ኣብ መርበብ ሓበሬታ RIZIV/INAMI፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ኵላቶም ማዕከናት መድሕን ጥዕና ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ትካል ጥዕና CAAMI-HZIV

እዚ ንመድሕን ጥዕናን ስንክልናን ዝሰርሕ ትካል CAAMI-HZIV ናይ መንግስቲ ትካል ጥዕና እዩ።  እዚ ማለት እቲ ትካል ጥዕና፡ ሕክምናዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ ወይ ፍልስፍናዊ ድሕረ ባይታኹም ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ሰብ ኣገልግሎት ይህብ ማለት እዩ። ናብ ትካል ጥዕና CAAMI-HZIV ብነጻ ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም።

Fedasil ምስ CAAMI-HZIV ብምትሕብባር፡ ናይቶም ኣብ በልጅየም ዘለዉ ሓተትቲ ዕቚባ ሕክምናዊ ወጻኢታት ይኸፍል።

ክፍሊት ብርኪ
ኣብ ባዕልኹም ዝመረጽኩሞ ማዕከን መድሕን ጥዕና ኣባል እንተደኣ ዄንኩም፡ ናብ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ንምርመራ ኣብ እትኸዱሉ፡ ወይ ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ኣብ እትገዝኡሉ ክፍሊት ብርኪ ክትከፍሉ ኢኹም። ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ምርመራ ንምግባር ዝኽፈል ክፍሊት ብርኪ  ካብ 1 ክሳብ 4 ዩሮ እዩ። 
ሓተትቲ ዕቚባ እንተደኣ ዄንኩም፡ ነቲ ዝኸፈልኩሞ ክፍሊት ብርኪ Fedasil ተመላሲ ንክገብረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንገሊኦም ኣብ ሆስፒታል ዝወሃቡ ሕክምናታት ወይ መድሃኒታት፡ እቲ ዶክተር ተወሳኺ ክፍሊት ክሓትት ይኽእል እዩ። 

ኣስተውዕሉ፦ ተወሳኺ ክፍሊታት፡ ንኣብነት ናይ ውልቀ ክፍሊ ወጻኢታት፡ ብ Fedasil ተመላሲ ኣይግበረሉን እዩ።

ከመይ ጌርኩም ካብ Fedasil ተመላሲ ክፍሊት ትሓቱ?

  • ካብ ፋርማሲ ናይ BVAC ምስክር ወረቐት ወይ ድማ ካብቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ፋክቱር ክወሃበኩም ክትሓቱ ኣለኩም። ነዚ ሰነድ እዚ ምስ መረጋገጺ ክፍሊት (ናይ ባንኪ ሕሳብ ከምዘስገርኩም ዝነግር ቅዳሕ) ብሓደ ናብ Fedasil ተቕርቡዎ።
  • ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተደኣ ኮይንኩም፡ ናይ ውልቂ መለለዪኹም (ሃገራዊ ቊጽሪ ወይ OV/SP ቊጽሪ)፡ ናይ BVAC ምስክር ወረቐት ከምኡ'ውን ናይ ክፍሊት ሕቶን ናብ ኣሃዱ ሕክምናዊ ወጻኢታት Fedasil (Fedasil Medical Costs Unit) ስደዱ
    • ብኢመይል፦ medic@fedasil.be 
    • ብፖስጣ፦ Fedasil Medical Costs Unit ፡ Rue Chartreux 21 - 1000 Brussels
  • ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተደኣ ዄንኩም ግን፡ ነቲ ናይ BVAC ምስክር ወረቐት ወይ ፋክቱር ከምኡ'ውን መረጋገጺ ክፍሊትን ናብቲ ናይቲ ማእከል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣረክቡ። 
  • Fedasil ድሕሪኡ ነቲ ዝኸፈልኩሞ ክፍሊት ብርኪ ናብ ናይ ባንኪ ሕሳብኩ፡ ወይ ድማ ብፍቓድ ዋና ሕሳብ ናብ ናይ ሳልሳይ ወገን ሕሳብ ተመላሲ ክገብረልኩም እዩ።