ክሽቦ/ምኽንሻብ ጓለ'ንስተይቲ

ካብ ሃገርኪ ሃዲምኪ ዘለኺ ግዳይ ናይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ከይትኾኒ ስለዝፈራህኪ እዩ። ኣብ በልጅም ዓለም-ለኻዊ ሓለዋ ንምርካብ ክተመልክቲ ትኽእሊ።

ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ኣብ በልጅም ክልኩል እዩ። ሓንቲ ጓል ግዳይ ናይ ምኽንሻብ ኮይና ምጽንሓ እንተተረጋጊጹ ፖሊስ ክሕበሩ እዮም።

ምምልካት ንኣህጉራዊ ሓለዋ

ትካል CGVS/CGRA ንእተቕርባኦ መመልከቲ ክከታተል እዩ። እቲ CGVS/CGRA ንውልቃዊ ኲነታትክን ኣብ መበቆል ሃገርኪ ንዘሎ ኲነታትን ክምርምር እዩ። ትካል CGVS/CGRA ከም ዕቑባት ስደተኛታትተቐባልነት ክህበኩም ይኽእል እዩ።

ጓልኪ ብምኽንያት ስግኣተ-ሓደጋ ናይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ናይ ስደተኛ ደረጃ ተዋሂብዋ ኣሎ፧

ጓልኪ ነቲ ናይ ስደተኛ ደረጃ ተቐቢላትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ንስኺ ከም ወላዲት መመልከቲ ንሰብኣዊ ንቡርነት (9bis) ኣብቲ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ ክተመልክቲ ትኽእሊ። 

እንተድኣ መመልከቲኹም ቅቡል ኮይኑ፡ መንበሪ ፍቓድ ክትቅበሉ ኢኹም ምእንቲ ምስ ጓልኩም ብሓባር ኣብ በልጅም ክትነብሩ።

ሕቶ በቲ CGVS/CGRA

ጓልኩም ድሕሪ ናይ ስድተኛ ደረጃ ተቐቢላ ምህላዋ CGVS/CGRA ኣብ በልጅም ጓልኪንምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ግዳይ ድያ ኣይኮነትን የረጋግጽ።

እቶም ወለዲ ጓሎም ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ከምዘይካየደላ ዝገልጽ ጽሑፍ መግለጺ ክፍርሙ ኣለዎም።

ነፍስ ወከፍ ዓመት ናብቲ CGVS/CGRA ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ምስዳድ ከድልየኪ እዩ።

እቲ ምስክር ወረቐት ጓልኪ ግዳይ ናይ ምኽንሻብ ከምዘይኩነት ከረጋግጽ ኣለዎ።

ጓልኪ ግዳይ ናይ ምኽንሻብ ኮይና እንተጸኒሓ፡ እቲ CGVS/CGRA ንንትኪ ናይ ስደተኛ ደረጃ ክስሕቦ ይኽእል'ዩ።

ቢድዮ 'ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ' (ተራካባይነት)