ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ሰብኣዊ ፍቓድ መንበሪ

መሰል ነባርነት እኳ እንተዘይጸደቑልኩም፡ ብሰንኪ ፍሉያት ምኽንያታት ግን ናብ መበቆል ሃገርኩም ክትምለሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብሓልዮት ዝወሃብ ግዝያዊ ፍቓድ ነባርነት ንኽጸድቀልኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ግዝያዊ ሓልዮት ሕክምናዊ ፍቓድ/ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ እዩ።

መረጋገጺ ናይ ፍሉያት ኵነታት

እንተ ደኣ ወግዓዊ ሰብኣውነታዊ ፍቓድ (9bis) ክጸድቀልኩም ኰይኑ፡ እቲ እንኮ ዘለኩም ኣማራጺ ኣብ ቤልጂዩም ምጽናሕ ጥራይ ምዃኑ ብጭብጢ ከተእምኑ ከድልየኩም እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፦

  • ናትኩም መስርሕ ጉዳይ ነባርነት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ስለዝወሰደ
  • ሃገር-ኣልቦ ስለዝዀንኩም
  • ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ምምላስ፡ ንዓለም-ለኻውያን ሕጋጋት ሰብኣውነት ዝጥሕስ ስጉምቲ ስለዝዀነ

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ብዛዕባ ውሳኔ ምሃብ ወግዓዊ ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ዝመጸ ናጻን ምሉእን ስልጣን ኣለዎ። ነፍሲወከፍ ዝቐርብ መመልከቲ ብመንጽር ውልቀ-ሰብ እዩ ዝግምገም።

ቅድመ-ኵነታት

ወግዓዊ ሰብኣውነታዊ ድዩስ ካልእ ተመሳሳሊ ፍቓድ ንኽወሃበኩም ከተመልክቱ እንተዄንኩም ከተማልእዎም ዝግባእ መምዘኒታት፦

ሕጋዊ መስርሕ

ነቲ ንሕቶ ወግዓዊ ሰብኣውነታዊ ፍቓድ ብዝምልከት እተቕርብዎ መመልከቲ ናብቲ ተመዝጊብክምሉ ዘለኹም ምምሕዳር ከተማ ክተእትውዎ የድልየኩም። ዝምልከቶ ምምሕዳር ከተማ ብወገኑ ንመመልከቲኹም ናብ`ቲ ውሳኔ ዘሕልፍ ኣካል ማለት ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ከመሓላልፎ እዩ።

ንወግዓዊ ሰብኣውነታዊ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ዓይነት ፍቓድ ብዝምልከት ዝቐርብ መመልከቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዛዘም ወይ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝኽእል እዩ። ጉዳይኩም ኣብ መወዳእታኡ ክሳብ ዘይበጽሐ፡ መሰል ነባርነትኩም ኰነ ናይ ምስራሕ መሰልኩም ተወንዚፉ እዩ ክጸንሕ። 

ናይ CPAS/OCMW ደገፍ ኣይትረኽቡን ኢኹም፤ ኣብ ናይ ፌዳሲል መቐበሊ ቦታ ንኽትዕቈቡ ድማ መሰል የብልኩምን። ኣድላዪ ምስዝኸውን፡ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝክግበረልኩም እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም፧

ምስ ሰብኣውነታዊ ሕጋጋት ዝተኣሳሰር መስርሕ ቅድሚ ምብግጋስኩም፡ ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ ሞያዊ ምኽሪ ንኽልግሰልኩም ተወከሱ።