ናይ ዕቝብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋት/መሰል ዘብቅዓሉ

ትካል CGVS/CGRA ኣጽዲቑልኩም ንዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትከምዘብቅዕ ክገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓድሽ ዜግነት ምስእትቕበሉ ወይ ናብ`ታ ኣሳዳዲ ኵነት ፈሪሕኩም ዝመጻእኩሙላ ሃገር ተመሊስኩም ክትቅመጡ ምስእትጅምሩ። ጉዳይኩም ኣብ መስርሕ መርመራ እንከሎ ኣብ ናይ ምትላል ገበናዊ ተግባር ምስእትርከቡ እውን፡ ትካል CGVS/CGRA እቲ ኣጽዲቑልኩም ዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ መሰል/ኵነተ-ሃለዋት ከምእትሕደጉ/ከምእትኽእልኡ ክገብር ይኽእል እዩ።

ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትኩም ከምዘብቅዕ ንምግባር

እዞም ቀጺሎም ዝዝርዘሩ ምዕባለታት ኣብ ዝኽሰቱሉ፡ ትካል CGVS/CGRA ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትኩም ከምዘብቅዕ ክገብር ይኽእል፦

  • ብወለንታኹም ዜግነት ካብ ዝወሰድኩሙላ ሃገር ዕቕባ ምስእትሓቱ።
  • ብወለንታኹም ከሲርኩሞ ዝጸናሕኩም ዜግነት ዳግማይ ምስእትቕበሉ።
  • ሓድሽ ዜግነት ምስእትቕበሉ።
  • ናብ`ታ ኣሳዳዲ ኵነት ፈሪሕኩም ዝመጻእኩሙላ ሃገር ብወለንታኹም ተመሊስኩም ክትቅመጡ ምስእትጅምሩ።
  • እቶም ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ንኽትረኽቡ ምኽንያት ዝዀኑ ረቛሒታት ደጊም ምስዘይህልዉ፤ ንኣብነት፡ ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ነባሪ ለውጢ ምስዝመጽእ።

ምኽላእ ናይ`ቲ ተዋሂቡኩም ዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋት

ትካል CGVS/CGRA ዘይግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ነቲ ተዋሂቡኩም ዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋት ተመሊሱ ክኸልኣኩም ዝከኣል እዩ። እዚ ክኸውን ዝከኣል፦

  • ኣብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ገበን ፈጺምኩም ከምዝመጻእኩም ምስዝረጋገጽ።
  • ኣብ ናይ ቃለ-መሕትትኩም እዋን ግጉይ ቃል ወይ ሰነድ እንተሂብኩም።
  • ባህርያትኩም ናይ ሓቂ ሓደጋ ዘንጸላለወኩም ወይ ዕቱብ ማህሰይቲ ከጋጥመኩም ዝኽእል ሰባት ከምዘይኰንኩም ዘመልክት ምስዝኸውን።
  • ካብ መስርሕ ዕቝባ ክትግለፉ/ክትወጹ ይግባእ

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እቲ ተዋሂቡኩም ዝጸንሐ ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋት ንኽትክልኡ ናብ CGVS/CGRA ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ።

  • ኣብ ገለ ከቢድ ገበን ከምዝተረኸብኩም ምስዝረጋገጽ።
  • ብመንጽር ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት እትፈጥሩ ሰባት ምስእትዀኑ።

ኣንጻር ውሳኔ ናይ CGVS/CGRA ይግባይ ምባል

ኣንጻር ውሳኔ ናይ CGVS/CGRA ናብ ትካል RvV/CCE ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። መስርሕ ይግባይ ከይተዛዘመ እንከሎ፡ ካብ ልኡላዊ ክሊ መሬት ናይ ቤልጂዩም ከምእትወጹ ክግበር ዝከኣል ኣይክኡአነን።