ፈትሹ/ድለዩ
ትካል CGVS/CGRA፡ እቲ ጸዲቑልኩም ዝጸንሐ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባከምዘብቅዕ ከገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኵነተ-ሃለዋትኩም/መሰልኩም ከምዝስረዝ ወይ ከምእትሕደጉ ብምግባር ክፍጸም ይከኣል።
እቲ ማእከል መዕረፊ - ክፉት መሳለጥያ መቐበሊ ኣጋይሽ እዩ።
ናብ`ዚ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። እዚ ማዕከን ሓበሬታ እዚ ኣብ ቤልጂዩም ንዝርከቡ ሓተትቲ ዕቝባ ከም መወከሲ ዘገልግል እዩ!
ቤልጅዩም ናብ ዓሰርተ 10 ኣውራጃታት ትኽፈል፡፡ ነፍስ-ወከፍ ኣውራጃ ርእሲ ኸተማ ኣለዋ። ብራስለስ ርእሲ ኸተማ ቤልጅዩም እያ።
ሞያዊ ስልጠና እንተተኸታቲልኩም፡ (ሓድሽ) ሞያ ክትምሃሩ ኢኹም። ንኣብነት፡ ተሓጋጋዚ ከሻናይ፡ ነዳቓይ ወይ ኣጽራዪ ንምዃን ዘኽእሉ መሰረታውያን ክእለታት ክትምሃሩ ኢኹም።
ንገዛእ ርእስኹምን ንደቅኹምን ካብ ከበድቲ ሕማማት ተኸላኸሉ (ፖልዮ፡ ተታኑስ፡ ንፍዮ) ከምኡ'ውን ተኸተቡ። ኣብ ቤልጅዩም፡ እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ክታበታት ብናጻ እዮም። ቆልዑ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ መደበር ክሊኒክ ጥዕና ክታበታት ይወስዱ።
ናብ ዶክተር ክትርኣዩ ምስከድኩም፡ ንእኡ ወይ ንኣኣ ክትኣምንዎምን ብዛዕባ ዝኾነ ቃንዛ ወይ ጸገማት ክትነግርዎምን ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ዶክተር፡ ብዛዕባ'ቲ ምስከድክሞ ትነግርዎ ነገራት፡ ምስጢራዊ ገይሩ ክሕዝ ሓላፍነት ኣለዎ።
ናይ ወጻኢ ዜጋታት፡ ኣብ በልጅም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ን 5 ዓመታት ድሕሪ ምቕማጦም ጥራይ እዮም ናይ ቤልጂዩም ዜግነት ንምርካብ ከመልክቱ ዝኽእሉ። ክማልኡ ዘለዎም ብዙሓት ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ።
መኪና ንምዝዋር፡ ክተኽብርዎም ዘለኩም ኣገደስቲ ሕግታት ኣለዉ።
ኣብ ቤልጅዩም ኣኽብሮት ሓደ ኣገዳሲ መሰረታዊ ክብሪ እዩ። ንሕጊ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንስሳታትን ንብረትን ክተኽብሩ ኣለኩም።