መዓስ ኢኹም ክትሰርሑ እትኽእሉ?
ደለይቲ ዕቚባ፡ ኣብ ቤልጅዩም 4 ኣዋርሕ ድሕሪ መመልከቲኦም ምቕራቦም ክሰርሑ ይኽእሉ። ልክዕ ከም ናይ ዜጋታት ቤልጅዩም፡ ተቐባልነት ዝረኸቡ ዕቑባት ስደተኛታት ሰባት ኣብ ስራሕ ንኽዋፈሩ መሰል ኣለዎም።
ደላዪ ዕቚባ ኢኻ/ኺ
እንተድኣ እቲ CGVS/CGRA ውሳነ ብዛዕባ'ቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ሓለዋ መመልከቲኹም ዘይሃበ ኣሎ ኾይኑ፡ 4 ኣውርሕ ድሕሪ መመልከቲኹም ንዓለም-ለኻዊ ሓለዋ ምቕራብኩም ጥራይ ኢኹም ክትሰርሑ ትኽእሉ።
- ነታ ኣራንሽዕኒ ካርድኹም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ ምስኣሐደስኩማ፡ እዚ ዚስዕብ ትሕዝቶ ተጻሒፍዋ ክትርእዩ ኢኹም፦ "ዕዳጋ ዕዮ፦ ዘይድሩት"።
- ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ኵላቶም ዓውድታት ሞያ ክትዋፈሩ ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ናይ ምውፋር መሰልኩም ንኽንደይ ዝኣክል እዋን እዩ ዝጸንሕ?
እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ናይ ምውፋር መሰልኩም፡ ትካል CGVS/CGRA ኣብ`ቲ ዘቕረብኩሙሉ መመልከቲ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ዝጸንሕ እዩ። ኣብ ውሳኔ ናይ CGVS/CGRA ይግባይ ምስእትብሉ፡ እቲ ኣብ ስራሕ ንኽትዋፈሩ ዘለኩም መሰል ክሳብ ትካል RvV/CCE ነቲ ዘቕረብኩሞ ይግባይ ኣመልኪቱ ውሳኔ ዝህብ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸብኩም ሰባት ኢኹም
እንተድኣ ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ተወሳኺ ሓገዝ ረኺብኩም ዘይተደረተ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለኩም።

ኣብነት ናይ ኣራንሾኒ ካርድ / ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት (AI)