ከተኽብርዎም ዝግባእ ሕጋጋት
ሓተትቲ ዕቝባ ሕጋጋት ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ከኽብሩ ይግባእ።
ናብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስመጻእኩም፡ ሓደ ኣባል ዝዀነ ሰራሕተኛ፡ እቲ ቦታ ንጥፈታቱ ብዛዕባ ዘሰላስለሎም ኣገባባትን እቶም ከተኽብርዎም ዝግባእ ሕጋጋቱን ብዝምልከትን መብርሂ ክህበኩም እዩ። ኣብ ኵላቶም ሕጋጋት መብርሂ ዝህብ ሰነድ ክህቡኹም እዮም፦ ማለት ብዛዕባ ናይ መንበሪ ገዛ ሕጋጋት። እዚ ሰነድ እዚ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለወ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ ስለዝዀነ ንትሕዝቶኡ ብዝግባእ ከምዝተገንዘብኩሞ ርግጸኛታት ኩኑ።
ህላውነት ናይ`ዞም ሕጋጋት እዚኣቶም እቲ ቦታ እቲ ጽርየቱ ዝሓለወን ጽፉፍን ንክኸውን ሓጋዚ እዩ። ህላውነት ናይ`ዞም ሕጋጋት ውሕስነት ተቐማጦ ንኽረጋገጽ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ናብኡ ዝኣትዉ ኰነ ዝወጹ ሰባት ቍጽጽር ንምግባር ሓጋዚ እዩ።
ዓመጽ ይኹን ኣጽዋር ኣይፍቀድን
ኣብ ውሽጢን ወጻእን እዚ መቐበሊ ኣጋይሽ ዓመጽ ክልኩል እዩ። ካራሩ፡ መውግኢ ዝኸውን በላሕቲ ነገራት ወይ ከም ኣጽዋር ከገልግል ዝኽእል ኣቕሓ ክልኩል እዩ።
ሰራሕተኛታት ናይዚ ማእከል መቐበሊ ነዚ ክልከላ ንምትግባር ክፍልኹምን ኣርማድዮኹምን ክፍትሹ ይኽእሉ እዮም። ካራሩን መውግኢ ዝኸውን በላሕቲ ነገራትን ክህገር እዩ። ክትወጹ ከለኹም እውን ኣይክምለሰልኩምን እዩ።
ነዚ ሕግታት እንተ ጥሒስኩሞ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ፣ ከም ናብ ካልእ መቐበሊ ኣጋይሽ ምዝውዋር፣ ካብ መርበብ መቐበሊ ኣጋይሽ ምእላይ፣ ወይ ብፖሊስ ክሲ ምምስራት ዝኣመሰለ። እቲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እውን ገለ ሓበሬታ ናብ ፖሊስን ዝምልከቶም ናይ (መንግስቲ) ኣገልግሎታትን ከመሓላልፍ ይኽእል እዩ።
ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ መጻኹም ሓደገኛ ነገራት እንተሃልይኩም፡ ንኣባል ሰራሕተኛ ክትሕብሩ ኣለኩም። እቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ነዞም ሓደገኛታት ነገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከቀምጦም እዩ።
እገዳዊ ስጉምቲ
ሕግታት እንተዘይኣኽቢርኩም፡ ዳይረክተር ናይዚ መቐበሊ ኣጋይሽ እገዳዊ ስጉምቲ ክወስደልኩም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ`ቲ ዝብየነልኩም መቕጻዕቲ ወይ እገዳ ምስዘይትሰማምዑ፡ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ንእገዳዊ/መቕጻዕታዊ ስጉምትታት ከምኡ`ውን ጉዳይ ይግባይ ብዝምልከት ኣብ ሕጋጋት መንበሪ ገዛ ሕጋዊ መብርሂ ተዋሂቡዎ ኣሎ። ብወገን ናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት እውን መብርሂ ክወሃበኩም ዝከኣል እዩ።
ጥርዓን
እቲ ሕግታት ናይ ቤት ምስ ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ዘሎ ኩነታት መነባብሮኹም ዘይትሰማምዑ እንተኾይንኩም፡ ጥርዓን ናብ በዓል መዚ ጥርዓናት ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ'ቲ እተዓቘብኩሙሉ መቐበሊ ቦታ ብዛዕባ እተዋህበኩም መልሲ ኣይዓገብኩምን ዶ? ብመገዲ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናብ ዞባዊ ሓላፊ/ዳይረክተር ናይ Fedasil ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም info@fedasil.be።
ብመልሲ ናይ ፌዳሲል ኣይዓገብኩምን? በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ፡ ኣንጻር መንግስቲ ውልቃዊ ጥርዓናት ናብ ዝቕበል ዘይሻራዊ ሰራሕተኛ፡ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም www.federaalombudsman.be።