ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ምቕራብ፦ መስርሑ ከመይ ይመስል?

ኣብ ፍጻሜ ናይ ተኸታሊ መመልከቲ እቲ CGRS (CGRA/CGVS)  ኣብ ጉዳይካ ሓድሽቲ ባእታታት እንተልዮም ይምርምር። እዚ ማለት ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዘጋጠመ ፍጻመታት ወይ ለውጥታት ዚገልጽ ኣብ እኩብ ሰነዳትካ ዘይነበረ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ እውን ዘይነበረካ ሓበሬታ እዩ።

  • እቲ CGRS ኣብ ጕዳይካ ሓደሽቲ ባእታታት የለዉን ኢሉ ኣብ ዝውስን፡ ጕዳይካ ዘይፍቀድ ተባሂሉ ይእወጅ
  • እቲ CGRS ኣብ ጕዳይካ ሓድሽቲ ባእታታት ኣለዉ ኢሉ ኣብ ዝውስን፣ ጕዳይካ ዝፍቀድ ተባሂሉ ይእወጅ። እቲ CGRS ንጕዳይካ መርሚሩ ሓድሽ ውሳኔ ይውስን።

ሓንቲኣራንሺ ሕብራ ካርድ ክትቅበል እትኽእል CGRS ንጕዳይካ ተቐባልነት ከም ዘለዎ እንተ ኣዊጁልካ ጥራይ እዩ። እዚ ኣብቲ ንኽትሰርሕ ዘሎካ መሰል ሳዕቤን ኣለዎ እዩ።

ይግባይ ኣንጻር ውሳነ ናይ CGRS

ነቲ ፍቓድ የብሉን ዝብል ውሳነ ናይ CGRS ናይ ስልኪ ጻዊዒት ብምግባር ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ እዋን እቲ ይግባይ ምባል፣ ካብ እቲ ግዝኣት ክትእለ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ምስ ሳልሳይ መመልከቲ ብዝተሓሓዝ

ነቲ ፍቓድ የብሉን ዝብል ውሳነ ይግባይ እንተ ድኣ ኢልካ፣ ካብ እቲ ግዝኣት ክትእለ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ እቲ ውሳነ ካብ ግዝኣት በልጅዩም ንኽትወጽእ ዘገድድ ትእዛዝ ብኡንብኡ ክትቅበል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ የድልየካ ድዩ?

ነቲ ተኸታሊ መመልከቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ቅድሚ ምምዝጋብካ ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ወይ ጠበቓኻ ቘጸራ ግበር።