ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ፦ ኣብ ጉዳይ መቐበሊ ቦታ ዘለዎ ሳዕቤን

ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ምቕራብ ማለት፡ ኣብ መቐበሊ ቦታ ናይ ምጽናሕ ዕድል የልቦን ማለት እዩ።

ስዒቡ ዝቐርብ መመልከቲ ምስኣመዝገብኩም፡ ትካል ፌዳሲል ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኰነ ኣብ ናይ ትካል CPAS/OCMW መንበሪ ገዛ፡ ቦታ ኣይክህበኩምን እዩ። መስርሕኩም ክሳብ ዝዛዘም ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረኽቡ ኢኹም።

ትካል CGVS/CGRA ኣብ ጉዳይኩም ሓደስቲ ረቛሒታት ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ (ጉዳይኩም ቅቡልነት ዘለዎ ወግዓዊ መልሲ ምስሃበ) ጥራይ ኢኹም ናብ ናይ ፌዳሲል ናይ መጀመርታ መቐበሊ መጻእተኛታት ብምኻድ፡ዳግማይ ን መቐበሊ ቦታብዝምልከት ጠለብ ከተቕርቡ እትኽእሉ።

ንመሰል ምቕማጥ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ኣብ ቤልጂዩም ንዘለኩም ሃለዋት ብዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ዶ?

ነቲ ኑቕጣ ሓበሬታ ብጽሑ

Rue de Passchendaele, 2

1000 ብራስልስ

ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ 8፡30 ቅ/ቀ ክሳብ 12፡30 ድ/ቀ ክፉት እዩ።

ብቴለፎን፡ 32 (0) 2 227 41 51
ብ-ኢመይል፡ dispatching.infopunt@fedasil.be