ንዘቕርቦ መመልከቲ ክትከታተል ዝግብኣ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ኣላ

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ፡እታ ነቲ ኣህጉራዊ ዕቝባ/ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ምምስራሕ/ምስላጥ ሓላፍነት እትስከም ሃገር ቤልጂዩም ምዃናን ዘይምዃናን ክፍትሽ እዩ። እዚ `ሕጊ ዱብሊን` ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ ቤልጂዩም ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽወሃበኩም ሕቶ ኣብ እተቕርቡሉ እዋን፡ እታ ንመመልከቲኹም ክትከታተል ዝግብኣ ሃገር ቤልጂዩም ድያስ ካልእ ሃገር ክርኢ እዩ።

ብመሰረት ሕጋጋት ዞባ ኤውሮጳዊ ሕብረት (ሕጊ ዱብሊን) ንጉዳይኩም ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ክትከታተሎ እንተዀይና፡ ኣብኡ ኴንኩም ንመስርሕ መመልከቲኹም ንኽትከታተሉ ናብ`ታ ሃገር ከምእትኸዱ ክግበር እዩ።

ንመመልከቲየይ ክትከታተል ዘለዋ ሃገር ኣየነይቲ እያ?

  • ብቐዳምነት ደረጃ ዝረአ፡ ድሮ ከም ዕቑብ ስደተኛ ተቐባልነት ዝረኸበ ወይ መስርሑ ኣብ መገዲ ዘሎ ኣባል ስድራ-ቤት ኣብ ዘለዋ ሃገር።
  • ኣብ ከም`ዚ ኵነታት ዝርከብ ኣባል ስድራ-ቤት ምስዘይህልወኩም፡ እታ ንጉዳይኩም ክትከታተል ዝግብኣ፡ እታ ፍቓድ ነባርነት ድዩስ ቪዛ ዝሃበትኩም ሃገር እያ።
  • ፍቓድ ነባርነት ድዩስ ቪዛ ምስዘይህልወኩም (ስለዚ ኣብ ክሊ ዞባ ኤውሮጳ ኣቲኹም ኣለኹም ማለት እዩ)፡ እታ ንጉዳይኩም ክትከታተል ዝግብኣ ሃገር፡ እታ ብእኣ ኣቢልኩም ናብ ኤውሮጳ ዝኣተኹሙላ ሃገር እያ።

ንጉዳይ መመልከቲየይ ክትከታተል ዝግብኣ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ምስእትህሉ ኸ እንታይ እዩ ዝኸውን?

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ነዛ ሃገር እዚኣ ንጉዳይኩም ክትከታተል ሕቶ ከቕርበላ እዩ። እዛ ሃገር ብዛዕባ`ዚ ምስእትሰማማዕ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንመገሻኹም ክውድቦ እዩ።

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት እያ - ቤልጂዩም ንጉዳይኩም ናይ ምክትታል ሓላፍነት እትስከም።

  • ጉዳይኩም ብመንጽር ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ (ሕጊ ዱብሊን) ከረአ ዘይከኣል እንተዀይኑ
  • እታ ዝምልከታ ኤውሮጳዊት ሃገር ንዝቐረበላ - ናይ ምክትታል ጉዳይኩም ሕቶ ምስእትነጽጎ
  • ንጉዳይኩም ናይ ምክትታል ሓላፍነት እትስከም ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ኣላ ክነሳ፡ እቲ ናብ`ታ ሃገር እቲኣ ናይ ምስግጋርኩም መስርሕ፡ ካብ`ታ ተቐባልነት ዝረኸብኩሙላ እዋን ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ እንተዘይተፈጺሙ፡ ሃገረ-ቤልጂዩም ንመመልከቲኹም ናይ ምክትታል ሓላፍነት ክትስከም እያ።

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን "ሃዲምኩም ከምዝተሰወርኩም" ምስዝኣምን (ማለት፡ በቲ ዝሃብኩሞ ኣድራሻ ክትርከቡ ምስዘይከኣል) ወይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምስእትህልዉ፡ እዚ ገደብ ግዜ እዚ ክናዋሕ እዩ።

መሰነይታ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት ምስእትዀኑ፡ እቶም ንዓኹም ዝምልከቱ ሕጋጋት ፍልይ ዝበሉ እዮም።