ናብ ሃገርኩም ምምላስ

ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደለዩ ሰባት ካብ ትካል ፌዳሲል ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ኣብ ምርጫኹም ዝምርኮስ ጉዳይ እዩ

ናብ ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ ምስእትውስኑ፡ እዚ ወለንታዊ ምምላስደኣ`ምበር ግዱድ ምምላስኣይኰነን።

እዚ ኣብ ውሳኔኹም ዝምርኮስ ጉዳይ ኰይኑ፡ እንተሊድኹም ሓሳብኩም ቀዪርኩም ንኸይትምለሱ እውን ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም

ንኽትምለሱ ክትውስኑ እትኽእሉሉ እዋን፡ ናትኩም መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ከይተዛዘመ እንከሎ ወይ ድማ ኣሉታዊ ውሳኔ ምስተዋሃብኩም ክኸውን ይኽእል። ኣብ ቤልጂዩም እናሃለዉ ውሕስነት ንኽወሃቦም ኣመልኪቶም ዘይፈልጡ ወጻእተኛታት እውን ብወለንታኦም ንኽምለሱ ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

ንምምላስ ምድላው

ንኽትምለስ ከመይ ጌርካ ሕቶ ተቕርብ?

ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ንኽትምለሱ፡ ካብ ትካል ፌዳሲልሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ትካል ፌዳሲል ንናይ ምምላስ ጉዕዞኹም ይውድቦን ወጻኢታቱ ይሽፍኖን። ንዋጋ ናይ`ቲ እትምለሱሉ ትኬት ነፋሪት ድዩስ ኣውቶቡስ ኣይትኸድልዎን ኢኹም።

ብወለንታኹም ንኽትምለሱ ሕቶ ከተቕርቡ ምስእትደልዩ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስዘድልየኩም፡ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይ ብቐጥታ ተወከሱ።

ኣብ መቐበሊ ቦታ ተዓቚብኩም እንተዘይሃሊኹም፡ ናብ ናጻ መስመር ተሌፎን 0800/32 745ክትድውሉ ወይ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ መሻርኽቲ ፌዳሲል ዝዀነ ትካል ብኣካል ክትቀርቡ ትኽእሉ ኢኹም።