ካብ ትካል CPAS/OCMW ዝርከብ ማሕበራዊ ሓገዝ

ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት እንተረኺብኩም እሞ ገዛ ክትካረዩሉ ኰነ ርእስኹም ክትክእልሉ እትኽእሉ ኣታዊ ዘይብልኩም ምስ እትዀኑ፡ ካብ ትካል CPAS/OCMW ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ ትካል CPAS/OCMW ማሕበራዊ ሓገዝ ክረክብ ዝኽእል ሰብ ከመይ ዝኣመሰለ እዩ?

ካብ ትካል CPAS/OCMWማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ፡ ሓያለይ መምዘኒ ቅድመ-ኵነታት ከተማልኡ የድልየኩም።

  • ብሕጋዊ መልክዕ ኣብ ቤልጂዩም እትነብሩ (ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ረኺብኩም፡ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ተዋሂቡኩም ወዘተ) ክትኰኑ ይግባእ
  • ስእነት ዘለኩምክትኰኑ ይግባእ። ትካል CPAS/OCMW ንኵነታትኩምን ደረጃ ኣታዊኹም ክግምግም እዩ።
  • ኣብ ቤልጂዩም መንበሪ ቦታ ዘለኩም ክትኰኑ ይግባእ።

ትካል CPAS/OCMW ካልኦት መምዘኒታት እውን ኣብ ግምት ከእቱ ይኽእል እዩ፦ ኣብ ስራሕ ንኽትዋፈሩ ፍቓደኛታት ምዃንኩምን ዘይምዃንኩምን፡ ንዘለዉኹም ካልኦት ምንጭታት ሓገዝ ንኽትጥቀሙሎም ናብ ካልኦት ትካላት ቅድም ከተመልክቱ ወዘተ።

ብዛዕባ እቲ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባዝዀነ ይኹን መልሲ ክሳብ ዘይተዋህበኩም፡ ካብ ትካል CPAS/OCMW ማሕበራዊ ሓገዝ ንኽትቅበሉ መሰል ክህልወኩም ኣይክእልን እዩ። ኣብ ናይ ፌዳሲል ድዩስ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቦታ ምቕባል ኣጋይሽ መንበሪ ቦታ ክወሃበኩም እዩ፤ ወይ ድማ ኣብ ናይ ትካል CPAS/OCMW መንበሪ ቦታ።

ትካል CPAS/OCMW ከመይ ዝኣመሰሉ ሓገዛት እዩ ዝገብር።

ትካል CPAS/OCMW እቲ ንዓኹም ዝሓይሽ ዓይነት ሓገዝ ኣየናይ ምዃኑ ይግምግም። ገለ ኣብነታት ናይ`ቶም ብትካል CPAS/OCMW ዝወሃቡ ሓገዛት፦

ማሕበራዊ ሓገዝ ምስዘድልየኩም፡ ናብ ትካል CPAS/OCMW ናይ`ቲ ዘለኹሞ ምምሕዳር ከተማ ኪዱ።